ኤርሚያስ 46
46
ስዕረት ግብፂ ኣብ ከርከሚሽ
1ብዛዕባ ኣህዛብ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ። 2ብመጀመርታ ብዛዕባ ግብፂ፤ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ብዛዕባ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ዝተነግረ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦
3ዋልታን ኲናትን ኣዳልዉ፤
ንውግእ ኸዓ ተሰለፉ፤
4ኣቱም ፈረሰኛታት ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጡ፤
ቍራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ደፊእኹም ቁሙ፤
ኲናውትኹም ወልውሉ፤
ድርዒ እውን ልበሱ።
5ስለ ምንታይ ደኣ ደንጊፆም፥
ንድሕሪት ዝምለሱ ዝርኢ ዘለኹ?
ብርቱዓት ተዋጋእቶም ተስዒሮም፤
ንድሕሪት ግልፅ እንተይበሉ ይሃድሙ ኣለዉ፤
ብዅሉ ወገን ራዕዲ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
6እቲ ቕልጡፍ ኣየምልጥን፤
እቲ ሓያልውን ኣይድሕንን፤
ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ
ሰንከልከል በሉ፤ ወደቑውን።
7እዝ ከም ምልኣት ሩባ ኣባይ ዝዘልል፥
ከም ጋሻ ውሕጅ ዝፈስስ መን እዩ?
8ግብፂ ኸም ምልኣት ኣባይ ይዘልል፤
እቲ ማይውን ከም ጋሻ ውሕጅ ይውርወር፤
ንዅላ ምድሪ እውን ክኸድና እየ፤
ንኸተማታታን ንነበርታን፥
ከጥፍኦም እየ፤ ይብል ኣሎ።
9ኣቱም ኣፍራስ ውፁ፤
ኣቱም ሰረገላታት ብረሩ፤
እቶም ጀጋኑ ዋልታ ዝሕዙ፥
ኢትዮጵያውያንን፥ ሰብ ፉጥን፥
ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያን ይውፅኡ።
10እታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ነቶም ተፃረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፥
መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ፤
ሰይፊ ኸዓ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ፥
ብደሞምውን ክሰክር እዩ፤
ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን፥
ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥
መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ።
11ኣቲ ድንግል ጓል ግብፂ፥ ናብ ገለዓድ ኪዲ፤
ዝቕባእ መድሓኒታትውን ኣምፅኢ፤
ግና መድሓኒታት እተብዝሒ ብኸንቱ እዩ፤
ኣየሕውየክን እዩ።
12ኣህዛብ፥ ነውርኺ ሰምዑ፤
ኣውያትኪ እውን ንምድሪ መልኦ።
ሓያል ብሓያል ተሰናኺሉ፤
ክልቲኦም ድማ ሓቢሮም ይወድቁ።
ወራር ናቡከደነፆር
13 #
ኤር. 43፡10-13። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንግብፂ ኽወቕዓ ኸም ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተናገሮ ቓል እዙይ እዩ፤
14ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰይፊ ኽበልዖም እዩሞ፥
ኣብ ግብፂ ተናገሩ፤ ኣብ ሚግዶልውን ኣስምዑ፤
ኣብ ሜምፎስን ጣፍናስን ነዙይ ኣውጁ፤
ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን።
15ጀጋኑኻ ንምንታይ ወደቑ?
እግዚኣብሄር ስለ ዝደፍኦም፥
ክቖሙ ኣይከኣሉን።
16ንሱ ንብዙሓት ኣሰነኻኸሎም፤
ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ድማ ወደቐ፤
ተስኡ! ኻብ ገፅ እቲ ዘጨንቕ ሰይፊ ፀላኢ ንህደም፤
ናብ ህዝብናን ናብታ ዝተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ ተበሃሃሉ።
17ኣብኡ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥
ጊዜኡ ዘሕለፈ ተዛሃሪ ኢሎም ፀውዕዎ።
18ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ኣነ ህያው እየ!
ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥
ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥
ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
19ሜምፎስ ሓደ እኳ ዘይነብረላ፥
ምድረ በዳ ኽትከውን እያ እሞ፥
ኦ ኣቲ ኣብ ግብፂ እትነብሪ ጓል፥
ተማሪኽኪ ክትከዲ ኢኺሞ ኣሕሉቕኪ ኣዳልዊ።
20ግብፂ፥ ምልክዕቲ ዓርሒ እያ፤
ግና ጥፍኣት ይመፅእ፤
ካብ ወገን ሰሜን ክመፃ እዩ።
21እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥
ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም።
መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥
ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤
ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።
22ሓይሊ ፀላኢ ደፊኡ ምስ መፀ፥
ግብፂ ኸም ተመን እናፋፀየት ትሃድም፤
እቶም ፀላእታ ኸዓ ኦም ከም ዝቘርፁ ሰባት፥
ምሳር ሒዞም ክመፅዋ እዮም፤
23ነቲ ዘይሕለፍ ዱራውን ይቘርፅዎ፤
ይብል እግዚኣብሄር፤
ንሳቶም ክቝፀሩ ዘይከኣሉ፥
ካብ ኣንበጣ ዝበዝሑ እዮም።
24ጓል ግብፂ ነወረት፤
ንህዝቢ ሰሜንውን ሓሊፋ ተውሃበት።
25ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴብስ፥ ንግብፂ ኸዓ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ከምኡውን ነቶም ብፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዝእመኑን ክቐፅዖም እየ። 26#ኢሳ. 19፡1-25። ኣብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩ፥ እወ፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ሰራዊቱን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ግና ግብፂ ሰብ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸድሕኖም እዩ
27“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤
ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤
እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥
ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ።
ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤
ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
28 #
ኤር. 30፡10-11። ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥
ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤
ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥
ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤
ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤
ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥
ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 46: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኤርሚያስ 46
46
ስዕረት ግብፂ ኣብ ከርከሚሽ
1ብዛዕባ ኣህዛብ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ። 2ብመጀመርታ ብዛዕባ ግብፂ፤ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ብዛዕባ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮ፥ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣብ ከርከሚሽ ዝነበረ ሰራዊት ፈርዖን፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ዝተነግረ መልእኽቲ እዙይ እዩ፦
3ዋልታን ኲናትን ኣዳልዉ፤
ንውግእ ኸዓ ተሰለፉ፤
4ኣቱም ፈረሰኛታት ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጡ፤
ቍራዕ ርእሲ ኣብ ርእስኹም ደፊእኹም ቁሙ፤
ኲናውትኹም ወልውሉ፤
ድርዒ እውን ልበሱ።
5ስለ ምንታይ ደኣ ደንጊፆም፥
ንድሕሪት ዝምለሱ ዝርኢ ዘለኹ?
ብርቱዓት ተዋጋእቶም ተስዒሮም፤
ንድሕሪት ግልፅ እንተይበሉ ይሃድሙ ኣለዉ፤
ብዅሉ ወገን ራዕዲ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
6እቲ ቕልጡፍ ኣየምልጥን፤
እቲ ሓያልውን ኣይድሕንን፤
ኣብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ
ሰንከልከል በሉ፤ ወደቑውን።
7እዝ ከም ምልኣት ሩባ ኣባይ ዝዘልል፥
ከም ጋሻ ውሕጅ ዝፈስስ መን እዩ?
8ግብፂ ኸም ምልኣት ኣባይ ይዘልል፤
እቲ ማይውን ከም ጋሻ ውሕጅ ይውርወር፤
ንዅላ ምድሪ እውን ክኸድና እየ፤
ንኸተማታታን ንነበርታን፥
ከጥፍኦም እየ፤ ይብል ኣሎ።
9ኣቱም ኣፍራስ ውፁ፤
ኣቱም ሰረገላታት ብረሩ፤
እቶም ጀጋኑ ዋልታ ዝሕዙ፥
ኢትዮጵያውያንን፥ ሰብ ፉጥን፥
ቀስቲ ዝሕዙን ዝግትሩን ሉዳውያን ይውፅኡ።
10እታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ነቶም ተፃረርቱ ሕነ ምእንቲ ኽፈድዮም፥
መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ እያ፤
ሰይፊ ኸዓ ኽሳዕ ዝፀግብ ክበልዕ፥
ብደሞምውን ክሰክር እዩ፤
ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ሰሜን፥
ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ፥
መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ እዩሞ።
11ኣቲ ድንግል ጓል ግብፂ፥ ናብ ገለዓድ ኪዲ፤
ዝቕባእ መድሓኒታትውን ኣምፅኢ፤
ግና መድሓኒታት እተብዝሒ ብኸንቱ እዩ፤
ኣየሕውየክን እዩ።
12ኣህዛብ፥ ነውርኺ ሰምዑ፤
ኣውያትኪ እውን ንምድሪ መልኦ።
ሓያል ብሓያል ተሰናኺሉ፤
ክልቲኦም ድማ ሓቢሮም ይወድቁ።
ወራር ናቡከደነፆር
13 #
ኤር. 43፡10-13። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንግብፂ ኽወቕዓ ኸም ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተናገሮ ቓል እዙይ እዩ፤
14ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰይፊ ኽበልዖም እዩሞ፥
ኣብ ግብፂ ተናገሩ፤ ኣብ ሚግዶልውን ኣስምዑ፤
ኣብ ሜምፎስን ጣፍናስን ነዙይ ኣውጁ፤
ኣብ ቦታኻትኩም ቁሙ፤ ተዳለዉውን።
15ጀጋኑኻ ንምንታይ ወደቑ?
እግዚኣብሄር ስለ ዝደፍኦም፥
ክቖሙ ኣይከኣሉን።
16ንሱ ንብዙሓት ኣሰነኻኸሎም፤
ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ድማ ወደቐ፤
ተስኡ! ኻብ ገፅ እቲ ዘጨንቕ ሰይፊ ፀላኢ ንህደም፤
ናብ ህዝብናን ናብታ ዝተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ ተበሃሃሉ።
17ኣብኡ ድማ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥
ጊዜኡ ዘሕለፈ ተዛሃሪ ኢሎም ፀውዕዎ።
18ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ ንጉስ፥
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ኣነ ህያው እየ!
ኣብ ማእኸል እምባታት ከም ዘሎ ኸም ታቦር፥
ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸም ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ፥
ከምኡ ኽመፅእ እዩ ይብል፥
ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር።
19ሜምፎስ ሓደ እኳ ዘይነብረላ፥
ምድረ በዳ ኽትከውን እያ እሞ፥
ኦ ኣቲ ኣብ ግብፂ እትነብሪ ጓል፥
ተማሪኽኪ ክትከዲ ኢኺሞ ኣሕሉቕኪ ኣዳልዊ።
20ግብፂ፥ ምልክዕቲ ዓርሒ እያ፤
ግና ጥፍኣት ይመፅእ፤
ካብ ወገን ሰሜን ክመፃ እዩ።
21እቶም ኣብኣ ተቘፂሮም ዘለዉ ሰራሕተኛታት፥
ከም ስቡሓት ዝራብዓት እዮም።
መዓልቲ ቕፅዓቶምን ጊዜ ጥፍኣቶምን ስለ ዝበፅሐ፥
ኵላቶም ንድሕሪት ግልብጥ ኢሎም ሃደሙ፤
ኣብ ቦታኦም ፀኒዖም ክምክቱ ኣይኽእሉን።
22ሓይሊ ፀላኢ ደፊኡ ምስ መፀ፥
ግብፂ ኸም ተመን እናፋፀየት ትሃድም፤
እቶም ፀላእታ ኸዓ ኦም ከም ዝቘርፁ ሰባት፥
ምሳር ሒዞም ክመፅዋ እዮም፤
23ነቲ ዘይሕለፍ ዱራውን ይቘርፅዎ፤
ይብል እግዚኣብሄር፤
ንሳቶም ክቝፀሩ ዘይከኣሉ፥
ካብ ኣንበጣ ዝበዝሑ እዮም።
24ጓል ግብፂ ነወረት፤
ንህዝቢ ሰሜንውን ሓሊፋ ተውሃበት።
25ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ንኣሞን ኣምላኽ ቴብስ፥ ንግብፂ ኸዓ ንኣማልኽታን ንነገስታታን፥ ከምኡውን ነቶም ብፈርዖን ንጉስ ግብፂ ዝእመኑን ክቐፅዖም እየ። 26#ኢሳ. 19፡1-25። ኣብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩ፥ እወ፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ሰራዊቱን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ግና ግብፂ ሰብ ዝነብረላ ሃገር ክትከውን እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸድሕኖም እዩ
27“እምበኣርከስ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣይትፍራሕ፤
ህዝቢ እስራኤልውን፥ ኣይትሸበር፤
እንሆ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥
ካብታ ዘርእኻ ዝተማረኸላ ሃገር ከድሕነኩም እየ።
ያእቆብውን ተመሊሱ ብሰላምን ብርግዓትን ክቕመጥ እዩ፤
ዝኾነ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
28 #
ኤር. 30፡10-11። ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥
ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤
ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥
ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤
ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤
ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥
ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in