ኤርሚያስ 36
36
ባሮክ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘንበቦ ብራና
  1  #    
        2 ነገ. 24፡1፥ 2 ዜና. 36፡5-7፥ ዳን. 1፡1-2።    ኮነ ኸዓ ንጉስ ይሁዳ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ራብዓይ ዓመት፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። 2“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ። 3ምናልባሽ ህዝቢ ይሁዳ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ ሓሲበዮ ዘለኹ ጥፍኣት ምስ ሰምዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። ኣነውን በደሎምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ” በሎ።
  4ኤርሚያስ ድማ ሽዑ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሮክውን ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኻብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብቲ ዝጥቕለል መፅሓፍ ፀሓፎ። 5ሽዑ ኤርሚያስ ንባሮክ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ ተኸልኪለ ኣለኹሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ ኣይክእልን። 6ስለዙይ ንስኻ ኺድ እሞ ነቲ ኻብ ኣፈይ ናብቲ ጥቕሉል መፅሓፍ ዝፀሓፍካዮ ቓል እግዚኣብሄር፥ በታ መዓልቲ ፆም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እዝኒ ዅሎም እቶም ህዝቢ ኣንብቦ። ኣብ እዝኒ እቶም ከካብ ከተማታቶም ዝመፁ ህዝቢ ይሁዳ ኣንብበሎም። 7እቲ እግዚኣብሄር ኣብዞም ህዝቢ እዚኣቶም ዝተናገሮ፥ ቍጥዓኡን መቕሰፍቱን ዓብዪ እዩ እሞ፥ ምናልባሽ ፀሎቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይበፅሕ ይኸውን፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኻብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ።” 8ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ልክዕ ከምቲ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ገበረ። ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ፥ ካብቲ መፅሓፍ ቃል እግዚኣብሄር ኣንበበ።
  9ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኵላቶም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ህዝብን፥ ኵላቶም እቶም ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ህዝብን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፆም ክፆሙ ኣወጁ። 10ባሮክ ድማ ነቲ ቓል ኤርሚያስ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብቲ ላዕለዋይ ኣደባባይ “ሓዳስ በሪ” ብዝበሃል መእተዊ ቤተ መቕደስ ብዝርከብ፥ በቲ ፀሓፊ ወዲ ሳፋን፥ ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ገማርያ ኾይኑ፥ ኣብ እዝኒ ዅሉ ህዝቢ ኣንበቦ።
እቲ ብራና ነቶም ኣሕሉቕ ኸም ዝተነበሎም
  11ሚክያስ፥ ወዲ ገማርያ ወዲ ሳፋን፥ ኵሉ ቃል እግዚኣብሄር ኻብቲ መፅሓፍ ምስ ሰምዐ፥ 12ሽዑ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ናብቲ ፀሓፊ ዘለዎ ኽፍሊ ወረደ። ኤሊሳማ እቲ ፀሓፍን ድላያ ወዲ ሸማያን ኤልናታን ወዲ ኣክቦርን ገማርያ ወዲ ሳፋንን ሴዴቅያስ ወዲ ሃናንያን ኵላቶም ኣሕሉቕን ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ። 13ሚክያስ ከዓ ባሮክ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብቲ መፅሓፍ ከንብበሎም እንተሎ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ንኣኣቶም ነገሮም። 14ኵሎም እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ንይሁዲ ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ሰለምያ፥ ወዲ ኵሲ፥ ናብ ባሮክ ልኢኾም “ነታ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ዘንበብካያ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢድካ ሒዝካያ ምፃእ” በልዎ። ባሮክ ወዲ ኔርያ ድማ ነታ ጥቕልልቲ መፅሓፍ ብኢዱ ሒዙ ናብኣቶም መፀ። 15ንሳቶም ድማ “ተቐመጥ እሞ ኣብ እዝንና ኣንብበልና” በልዎ፤ ባሮክውን ኣንበበሎም። 16ነቲ ዅሉ ቓል ምስ ሰምዕዎ ኸዓ ደንጊፆም ንስንሳቶም ተጠማመቱ፤ ንባሮክ ከዓ “እዝ ዅሉ ቓል እዙይ ንንጉስ ክንነግሮ ይግባእ እዩ” በልዎ። 17ንባሮክ ድማ “እስኪ ንገረና ኸመይ ጌርካ ኢኻ እዝ ዅሉ ቓላት እዙይ ካብ ኣፉ ዝፀሓፍካዮ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
  18ባሮክ ከዓ “እወ፥ እዝ ዅሉ ብኣፉ ይነግረኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብቲ መፅሓፍ ብቐለም እፅሕፎ ነበርኩ” ኢሉ መለሰሎም።
  19ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንባሮክ “ኪድ እሞ፥ ንስኻን ኤርሚያስን ተሓብኡ፤ ኣበይ ከም ዘለኹም ድማ ሓደ እኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።
ንጉስ ነቲ ብራና ኸም ዘቃፀሎ
  20ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኣብ ክፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣንቢሮም፥ ናብቲ ንጉስ ዝነበሮ ገበላ ኣተዉ እሞ፥ ኵለን እተን ቃላት እቲኣተን ንንጉስ ነገርዎ። 21እቲ ንጉስ ከዓ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸምፅኣ ንይሁዲ ለኣኾ። ንሱውን ካብቲ ኽፍሊ ቤት ኤሊሳማ እቲ ፀሓፊ ኣምፂኡ፥ ይሁዲ ድማ ንንጉስን ንዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ንጉስ ቆይሞም ዝነበሩ ኣሕሉቕን ኣንበበሎም። 22ታሽዓይ ወርሒ ስለ ዝነበረ፥ እቲ ንጉስ ኣብቲ ወርሓት ክረምቲ ዘሕልፈሉ ኣዳራሽ ተቐሚጡ ነበረ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ሓዊ ዝተኣጐደ ምድጃ ነበረ። 23ይሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ እቲ ንጉስ ነቲ ብራና ብካራ እናቐደደ፥ ናብቲ ኣብ ምድጃ ዘሎ ሓዊ ደርበዮ። እታ ጥቕልልቲ ብራና ድማ ብምልእታ ኣብቲ ሓዊ ምድጃ ሞዅ በለት። 24እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን። 25ኤልናታንን ደላያን ገማርያን፥ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ኸየቃፅላ ንንጉስ ለሚኖምዎ እንተ ነበሩ እኳ፥ ንሱ ኣይሰምዖምን። 26እኳ ድኣ እቲ ንጉስ ንኤርሚያስን ንፀሓፊኡን ሒዞም ክእሰሩ፥ ንይረሕሚኤል ወዱን ንሰራያ ወዲ ዓዝርኤልን ንሰሌምያ ወዲ ዓብድኤልን ኣዘዞም፤ ግና እግዚኣብሄር ሰወሮም።
ኤርሚያስ ዝፀሓፎ ኻልእ ብራና
  27እቲ ንጉስ ነቲ ባሮክ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ዝፀሓፎ ቓል ዘለዎ ብራና ምስ ኣቃፀለ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። 28መሊስካ ኻልእ ብራና ውሰድ እሞ፥ ነተን ኣብ ልዕሊ እታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ፥ ኵለን ቃላት ኣብኣ ፀሓፈን። 29ንኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ ‘ንጉስ ባቢሎን ብርግፅ ክመፅእ እዩ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸዓ ኸጥፍኣ እዩ፥ ካብኣውን ሰብን እንስሳን ከፅንት እዩ’ ኢልካ ዝፀሓፍካስ ስለ ምንታይ ኢኻ? እናበልካ ነታ ጥቕልልቲ ብራና ብሓዊ ኣቃፀልካያ። 30ስለዙይ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደ እኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይርከብን እዩ። ሬሳኡ ድማ መዓልቲ ኣብ ሃሩር፥ ለይቲ ኣብ ቍሪ ኽድርበ እዩ። 31ንእኡን ንደቁን ነሕሉቑን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ። ምስማዕ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኵሉ ከውርደሎም እየ ዝበልክዎ ጥፍኣት፥ ኣብኣቶምን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይሁዳን ከምፅእ እየ።”
  32ሽዑ ኤርሚያስ ካልእ ጥቕልልቲ ብራና ወሲዱ ንፀሓፊኡ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ሃቦ። ንሱውን ነተን ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ወሲዱ ዘንደዳ ጥቕልልቲ ብራና ዝነበራ ዅለን ቃላት፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ተቐቢሉ ኣብኣ ፀሓፈን። ካልእ እውን ንኣኣተን ዝመስላ ብዙሓት ቃላት ተወሰኻአን።
      Currently Selected:
ኤርሚያስ 36: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: