ኤርሚያስ 35
35
ኤርሚያስን ወይኒ ዘይሰትዩ ደቂ ሬካብን
1 #
2 ነገ. 23፡36—24፡6፥ 2 ዜና. 36፡5-7። ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። 2ናብ ቤት ሬካባውያን ኪድሞ ተዛረቦም፤ “ካብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ካብ ዘለዉ ኽፍልታት ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ድማ ኣእትዎም፤ ወይኒ እውን ኣስትዮም” በለኒ። 3ሽዑ ያእዛንያ ወዲ ኤርሚያስን ወዲ ከባስን፥ ነሕዋቱን ንዅሎም ኣወዳት ደቁን፥ ንዅሎም ሬካባውያንን ወሰድክዎም። 4ናብ ቤት እግዚኣብሄር፥ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣእተኽዎም። እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ጥቓ ኽፍሊ ቤት ኣሕሉቕ፥ ኣብ ልዕሊ ኽፍሊ ቤት መኣስያ ወዲ ሰሎም ሓላዊ ኣፍ ደገ ዘላ እያ። 5ኣብ ቅድሚ እቶም ደቂ ሬካብ ከዓ፥ ወይኒ ዝመልአ ሳራሙን ዋናጩን ቀሪበ፥ “ወይኒ ስተዩ” በልክዎም።
6-7ንሳቶም ግና “ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ‘ኣባይቲ ኣይትስርሑ፤ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ፤ ኣይተጥርዩውን፤ ኣብታ ኣጋይሽ ኴንኩም እትነብሩላ ዘለኹም ሃገር፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኵሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፤ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና። 8ንሕናውን ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ዝኣዘዘና ዅሉ ቓል ፈፂምና ኢና፤ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣጓላትናን ድማ ብዅሉ ዘመንና ፈፂምና ወይኒ ኣይንሰትን ኢና። 9እንነብረለን ኣባይቲ ኣይሰራሕናን፤ ኣታኽልቲ ወይንን ገራሁን ዘርእን የብልናን ኢና። 10ኣብ ድንኳን ኢና እንነብር፤ ኵሉ ኣቦና ኢዮናዳብ ዘኣዘዘና ጌርና ኢና። 11ግና ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብዛ ሃገር እዚኣ ምስ መፀ፥ ‘ካብ ገፅ ሰራዊት ከለዳውያንን፥ ካብ ገፅ ሰራዊት ሶርያውያንን ንዑናይ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ’ ኢልና ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጥና” በሉ።
12-13ሽዑ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኪድሞ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ “ቃለይ ንምስማዕስ ተግሳፅዶ ኣይትቕበሉን ኢኹም?” ይብል እግዚኣብሄር። 14እቲ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፥ “ወይኒ ኣይትስተዩ” ኢሉ ዝኣዘዞም ቃል ተፈፀመ። ንሳቶም ንትእዛዝ ኣቦኣቶም ሰሚዖም፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ተዛሪበኩም ኣለኹ፤ ተናገርኩ ግና ንስኻትኩም ኣይሰማዕኹምንን። 15ኣነ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ኽፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ክተምልኽዎም ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ሽዑ ኣብታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ ኢኹም ኢለ ኣንጊሀ ተሲአ፥ ንኣገልገልተይ ነቢያት ለኣኽኩልኩም፤ ደጋጊመውን ለኣኽኩልኩም፤ ንስኻትኩም ግና ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን፤ ነኣይውን ኣይሰማዕኹምንን። 16ደቂ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ነቲ ኣቦኣቶም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ፈፂሞምዎ እዮም፤ እዝ ህዝቢ ግና ኣይሰምዐንን። 17ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ “ተዛሪበዮም ኣይሰምዑንን፤ ፀዊዐዮም ከዓ ኣይመለሱን፤ ኣብ ይሁዳን ኣብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን፥ እቲ ዅሉ ዝተዛረብኩሎም መዓት ከውርደሎም እየ” ይብል ኣሎ። 18ኤርሚያስ ንሬካባውያን ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንትእዛዝ ኣቦኻትኩም ኢዮናዳብ ስለ ዝተኣዘዝኩም፥ ንዅሉ ትእዛዙ ኸዓ ስለ ዝሓለኹም፥ ከምቲ ዅሉ ንሱ ዝኣዘዘኩምውን ስለ ዝገበርኩም፥ 19‘ካብ ወገን ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ሰብ ንዘለኣለም ኣይሰኣንን እዩ’ ይብል ኣሎ።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: