YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 37

37
ሴዴቅያስ ንኤርሚያስ ከም ዝጠየቐ
1 # 2 ነገ. 24፡17፥ 2 ዜና. 36፡10። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ንሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ክንዲ ኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ። 2ግና ሴዴቅያስ ኮነ ባሮቱ ወይ ህዝቢ እታ ሃገር፥ ነቲ ብነቢይ ኤርሚያስ ኣቢሉ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ቓል ኣይሰምዑን።
3ንጉስ ሴዴቅያስ ከዓ ንዮካል ወዲ ሰለምያን፥ ንሶፎንያስ ወዲ መእሴያ እቲ ኻህንን፥ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ፀሊ ኢሉ፥ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ለኣኸ። 4ኤርሚያስ ግና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘየእተውዎ ኣብ ማእኸል እቲ ህዝቢ ይኣቱን ይወፅእን ነበረ። 5ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ እሞ፥ ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ንድሕሪት ተመለሱ።
6ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ነቢይ ኤርሚያስ መፀ፤ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 7“ክትጥይቑኒ ናባይ ንዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ። እንሆ ኽሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን ናብ ሃገሩ ግብፂ ኽምለስ እዩ። 8ከለዳውያን ከዓ ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኽዋግእዋ፥ ክሕዝዋን ብሓዊውን ከባርዕዋን እዮም። 9እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ከለዳውያን ብርግፅ ሓዲጎምና ክኸዱ እዮም ኢልኩም ኣይትሕሰቡ፤ ኣይኸዱንሞ ንርእስኹም ኣይተታልሉ። 10ንዅሉ እቲ ዝዋግአኩም ሰራዊት ባቢሎናውያን እንተ እትስዕርዎ እሞ፥ ውጉኣት ሰባት ጥራሕ ካብኣቶም እንተ ዝተርፉ፥ እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ካብ ደድንኳኖም ተሲኦም፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ መባርዕዋ ነይሮም።”
ኤርሚያስ ተትሒዙ ኸም ዝተኣስረ
11ሰራዊት ባቢሎን ካብ ፍርሓት ጭፍራ ፈርዖን ዝተልዓለ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ፥ 12ኤርሚያስ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ብፅሒት ርስቱ ኽቕበል ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ክኸይድ ተልዓለ። 13ግና ናብታ ደገ ብንያም እትብሃል ምስ በፅሐ፥ የርያ ዝስሙ ወዲ ሰሌምያ ወዲ ሃናንያ ሓለቓ ሓለውቲ “ናብ ባቢሎናውያን ኢኻ እትመልቝ ዘለኻ” ኢሉ ንኤርሚያስ ሓዞ። 14ኤርሚያስ ድማ “ሓሰት እዩ፤ ከዲዐ ናብ ባቢሎናውያን ምኻደይ ኣይኮነን” በለ። የርያ ግና ኣይሰምዖን። እኳ ድኣ ሒዙ ናብ ኣሕሉቕ ወሰዶ። 15እቶም ኣሕሉቕ የመና ዀርዮም ንኤርሚያስ ወቕዕዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ገይሮምዋ ዝነበሩ፥ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ኣሰርዎ። 16ሽዑ ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥ ተገብረ፤ ኣብኡውን ንነዊሕ መዓልቲ ፀንሐ።
17ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 18መሊሱ ድማ ንንጉስ ሴዴቅያስ “ንኣኻን ነሕሉቕካን ነዝ ህዝቢ እዙይን እንታይ በዲለ እየ? ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተኹምኒ? 19እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ? 20እምበኣር ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን፤ ኣብኣ ኸይመውትስ ደጊምካ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኣይትምለሰኒ” ኢሉ ለመኖ። 21ስለዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ፥ ንኤርሚያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥሞ፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ እንጀራ ኽሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ ሰፈር ሰንከትቲ በብመዓልቱ ሓድሓደ እንጀራ ኽወሃቦ ኣዘዘ። ኤርሚያስ ከዓ ኣብቲ ኣደባባይ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ።

Currently Selected:

ኤርሚያስ 37: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in