YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 17

17
ሓጢኣት ህዝቢ ይሁዳን መቕፃዕቶምን
1“ሓጢኣት ይሁዳ፥ ብብርዒ ሓፂንን ብዝበልሐ ጫፍ ኣልማዝን ተፅሒፉ እዩ፤ ኣብ ፅላት ልቦምን ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢታቶምን ተቐሪፁ እዩ። 2ደቆምውን ነቶም ንዝኽሪ ጣዖት ኣስታሮት ተብሂሉ ዝተሰርሐ መሰውኢታትን ምስልታትን፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኸ ኾረብታታትን ዘለዉ ይዝክሩ ኣለዉ። 3እቲ ኣብ ሜዳ ዘሎ እምባይ፥ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኵሉ ወሰናትኪ ዝገበርክዮ ሓጢኣት፥ ንሃብትኽን ንዅሉ መዛግብትኽን ንዘመተ ኽህቦ እየ። 4ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”
ሓናፂ ምስላታት
5እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣብ ሰብ ዝእመን፥
ንስጋ ለባሲውን ቕልፅሙ ዝገብር፥
ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ ሰብ፥
ዝተረገመ እዩ።
6ንሱ ኸምቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ንቑፅ ቈጥቋጥ እዩ፤
ሰናይ እንትመፅእውን ኣይርእን፤
ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ምድረ በዳ፥
ኣብ ናይ ጨው ምድሪ ይነብር።”
7“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥
እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥
ቡሩኽ እዩ።
8 # መዝ. 1፡3። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥
ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥
ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥
ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥
ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”
9“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥
የመና ኽፉእን እዩ፤
መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
10 # ራእይ 2፡23፥ መዝ. 62፡12። ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥
ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥
ንልቢ እምርምሮ፤
ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
11እቲ ቕንዕና ብዘይብሉ፥ ሃብቲ ዝእክብ፥
ከምታ ንዘይ ጫጭሐቶ ጫቚት እትሓቍፍ ቆቛሕ እዩ፤
ኣብ ፍርቂ ዕድሚኡ ሃብቱ ይሓድጎ፤
ኣብ መወዳእታኡውን ዓሻ ይኸውን።
12ስፍራ ቤተ መቕደስና፥
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ልዕል ዝበለ
ናይ ክብሪ ዙፋን እዩ።
13ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥
እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥
ክሓፍሩ እዮም።
እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥
ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥
ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
ኤርሚያስ ሓገዝ ክረክብ ናብ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ፀሎት
14ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻሞ ፈውሰኒ፥ ክፍወስ እየ፤ ኣድሕነኒ ኣነውን ክድሕን እየ። 15ንሳቶም “ቃል እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እስኪ ሕዚ ይምፃእ” ይብሉኒ ኣለዉ።
16ጓሳ ኾይነ ንኣኻ ኻብ ምግልጋል ንድሕሪት ኣይበልኩን፤ ክፉእ መዓልቲ ኸም ዘይተመነኹውን ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ከንፈረይ ዝወፅእውን ኣብ ቅድሜኻ እዩ። 17መደንገፅየይ ኣይትኹን፤ ብመዓልቲ መከራ መዕቘብየይ ንስኻ ኢኻ። 18እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይደንግፁ፤ ኣነ ግና ኣይደንግፅ። ክፉእ መዓልቲ ኣምፅአሎም፤ ዕፅፊ ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።
ሰንበት ምኽባር
19እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ኣብታ ነገስታት ይሁዳ ዝኣትዉላን ዝወፁላን፥ በሪ ደቂ ህዝቢ እትብሃል በርን፥ ኣብ ኵለን በርታት ኢየሩሳሌምን ቁም፤ 20ኣቱም በዘን በርታት እዚኣተን እትኣትዉ፥ ነገስታት ይሁዳን ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። 21#ነህ. 13፡15-22። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ኣይትፁሩ፤ ፆር ፆይርኩምውን ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ ንባዕልኻትኩም ተጠንቀቑ፤ 22#ዘፀ. 20፡8-10፥ ዘዳ. 5፡12-14። ካብ ኣባይትኹም ዝኾነ ፆር ኣይተውፅኡ፤ ከምቲ ኣነ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም መዓልቲ ሰንበት ኣኽብሩ፤ ብመዓልቲ ሰንበት ስራሕ ኣይትስርሑ። 23ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ኣየስተውዓሉንውን፤ ከይሰምዑሞ ኸይግሰፁ ኽሳዶም ኣትረሩ።
24“ግና ብጥንቃቐ እንተ እትሰምዑኒ ይብል እግዚኣብሄር፥ ብመዓልቲ ሰንበት ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ፆር ፀይርኹም እንተ ዘይኣቲኹም፥ ንመዓልቲ ሰንበት እንተ ቐደስኩምዋ፥ ብኣኣ ስራሕ እንተ ዘይሰሪሕኹም፥ 25ሽዑ እቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታትን ኣሕሉቕን፥ ብሰረገላታትን ኣፍራስን ብበርታት እዛ ኸተማ እዚኣ ኽኣትዉ እዮም። ንሳቶምን መሳፍንቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩንውን ክኣትዉ እዮም። እዛ ኸተማ እዚኣውን ንዘለኣለም መንበሪ ሰብ ክትከውን እያ። 26ካብ ከተማታት ይሁዳን ካብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ካብ ሃገር ብንያምን ካብ ቈላን ካብ ደጕዓን ከምኡውን ካብ ደቡብንን ዝቃፀል መስዋእትን ካልእ መስዋእትን ናይ ቍርባን እኽልን ዕጣንን ናይ ምስጋና መስዋእትን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክመፁ እዮም። 27ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 17: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in