1
ኤርሚያስ 17:7-8
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“ብእግዚኣብሄር ዝእመን፥ እምነቱውን ኣብ እግዚኣብሄር ዝገብር ሰብ፥ ቡሩኽ እዩ። ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ ዝተተኽለት፥ ናብ ሩባ ኣቢላ ሱራ ዝሰደደት፥ ዋዒ እንተ መፀ ዘይትፈርሕ፥ ቈፅላ ኸዓ ለሚዑ ዝነብር፥ ካብ ምፍራይውን ዘይተቋርፅ ኦም እዩ።”
Compare
Explore ኤርሚያስ 17:7-8
2
ኤርሚያስ 17:9
“ልቢ ሰብ ካብ ኵሉ ዝበለፀ ተንኰለኛን፥ የመና ኽፉእን እዩ፤ መንከ ኽፈልጦ ይኽእል?
Explore ኤርሚያስ 17:9
3
ኤርሚያስ 17:10
ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዱ፥ ንነፍሲ ወከፍውን ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፥ ንልቢ እምርምሮ፤ ንዀላሊት ከዓ እፍትኖ።”
Explore ኤርሚያስ 17:10
4
ኤርሚያስ 17:5-6
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ሰብ ዝእመን፥ ንስጋ ለባሲውን ቕልፅሙ ዝገብር፥ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ ሰብ፥ ዝተረገመ እዩ። ንሱ ኸምቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ንቑፅ ቈጥቋጥ እዩ፤ ሰናይ እንትመፅእውን ኣይርእን፤ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ናይ ጨው ምድሪ ይነብር።”
Explore ኤርሚያስ 17:5-6
5
ኤርሚያስ 17:14
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻሞ ፈውሰኒ፥ ክፍወስ እየ፤ ኣድሕነኒ ኣነውን ክድሕን እየ።
Explore ኤርሚያስ 17:14
Home
Bible
Plans
Videos