ኤርሚያስ 18
18
ኤርሚያስ ኣብ ቤት ሰራሒ መሬት
1-2ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል፦ “ተሲእኻ ናብ ቤት ሰራሒ መሬት ውረድ፤ ኣብኡ ቓለይ ከስምዐካ እየ” በለኒ። 3ኣነውን ናብ ቤት እቲ ስራሒ መሬት ወረድኩ፤ ንሱውን ነቲ ሻኽላ ብመንኰራዅር ይሰርሕ ነበረ። 4እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ፥ ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ተበላሸወ፤ እቲ ሰራሒ መሬት ድማ፥ ከምቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርአዮ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።
5ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ 6“ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ ኣነኸ ንኣኻትኩም ከምቲ ሰራሒ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይከኣለንን እዩ? ኸምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሒ መሬት ዘሎ፥ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም ዘለኹም። 7ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክነቕሎን ከፍርሶን ከጥፍኦን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ፥ 8እታ ሃገር እቲኣ ኻብ ክፍኣታ እንተ ተመለሰት፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብሮ እየ’ ኢለ ዝሓሰብክዎ መቕፃዕቲ ኣይገብሮን እየ። 9ከምኡ ኸዓ ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክሃንፆን ክተኽሎን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ፥ 10እሞ እቲ ህዝቢ እቱይ ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ ኣብ ቅድመይ ክፉእ እንተ ገበረ፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብረሉ እየ’ ኢለ ዝተዛረብክዎ ሰናይ ነገር ኣይገብሮን እየ። 11እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ። 12ንሳቶም ግና ‘ጨኪንና ኢና፤ ሓሳብና ተኸቲልና ኽንከይድ ኢና፤ ነፍሲ ወከፍና ድማ ኸምቲ ትረት ሕሱም ልብና ኽንነብር ኢና’ በሉ።”
ንእግዚኣብሄር ምቕባል ዝኣበዩ ህዝቢ
13እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘስምዐ እንተ ሃልዩ፥
እስኪ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ጠይቑ።
እታ ድንግል እስራኤል፥
የመና ኽፉእ ነገር ገይራ እያ።
14በረድዶ፥ ካብቲ ኸውሕታት ሊባኖስ፥
ተፈልዩ ይፈልጥ እዩ?
እቲ ኻብ ርሑቕ ዝወርድ፥
ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነፅፍ ድዩ?
15ህዝበይ ግና ንኣይ ረሲዑኒ፤
ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ይዓጥን ኣሎ፤
ካብቲ ክኸደሉ ዝግብኦ መንገዲ ተሰናኺሉ፤
ነቲ ናይ ጥንቲ መንገዲ ሓዲጉ፥
በቲ ዘይተፀርገ ቐይናን መንገዲ ይኸይድ ኣሎ።
16ንምድሮም ንመደነቕን፥
ንዘለኣለም መሳለቕን ገበርዋ፤
ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ይግረም፤
ብምግራምውን ርእሱ ይንቕንቕ።
17ከም ንፋስ ምብራቕ፥
ኣብ ቅድሚ ፀላኢ ኽብትኖም እየ።
ብመዓልቲ ጥፍኣቶም፥
ዝባነይ እምበር ገፀይ ኣየርእዮምን።”
ኣንፃር ኤርሚያስ ዝተፍሓሰ ተንኰል
18ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
19“ኦ ጐይታይ፥ ስምዐኒ፤ ነቲ ፀላእተይ ዝብልዎ ኸዓ ስማዕ። 20ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፥ ክንዲ ሰናይዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ? ኣነ ቝጥዓኻ ኻብኣቶም ክተርሕቕ ኢለ ኣብ ቅድሜኻ ቖይመ ኸም ዝለመንኩ ዘክር። 21ስለዙይ ሕዚ ደቆም ንጥሜት ሃብ፤ ንኣኣቶም ከዓ ስሕለት ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃብ። ኣንስቶም ናይ ወላድ መኻንን መበለታትን ይኹና፤ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ፤ ኣጕባዞም ከዓ ኣብ ጊዜ ውግእ ብሰይፊ ይውደቑ። 22ክሕዙኒ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፥ ነእጋረይ ከዓ መፈንጠር ኣፃዊዶምለይ እዮም እሞ፥ ብድንገት ዝዘምትዎም ጭፍራ ምስ ኣምፃእኻሎም፥ ኣብ ገዛኦም ኣውያት ይሰማዕ። 23ኦ እግዚኣብሄር፥ ክቐትሉኒ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዅሉ ምኽሪ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ስለዙይ በደሎም ይቕረ ኣይትበለሎም፤ ሓጢኣቶም እውን ካብ ቅድሚ ገፅካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ፃሕ ኢሎም ይውደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻውን ከምኡ ግበሮም።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in