ኤርሚያስ 1
1
1ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት፥ ካብ ኬልቅያ ዝተወልደ፥ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቓል፥ 2#2 ነገ. 22፡3—23፡27፥ 2 ዜና. 34፡8—35፡19። ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። 3#2 ነገ. 23፡36—24፡7፥ 24፡18—25፡21፥ 2 ዜና. 36፡5-8፥ 36፡11-21። ከምኡውን ብዘመን ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተ ዓመት ግዝኣት ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኽሳዕ እቲ ኢየሩሳሌም ዝተማረኸትሉ መወዳእታ ሓምሻይ ወርሒ መፀ።
መፀዋዕታ ኤርሚያስ
4-5ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ “ኣብ ከርሲ እኖኻ እንተይሃነፅኩኻ ኻብ ማህፀን እንተይወፃእኻ ቐደስኩኻ፤ ንኣህዛብውን ነቢይ ገይረካ ኣለኹ” በለኒ።
6ኣነ ድማ “ኣይፋልካን፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ገና ቘልዓ እየሞ፤ እንሆ ኸመይ ከም ዝዛረብ ኣይፈልጥን እየ” በልኩ።
7እግዚኣብሄር ግና “ገና ቘልዓ እየ ኣይትበል፤ ናብቶም ዝልእኸካ ዅሎም ክትከይድ ኢኻ፤ እቲ ዅሉ ዝእዝዘካ ድማ ኽትነግር ኢኻ። 8ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
9ሽዑ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርግሐ እሞ ኣፈይ ዳህሰሰኒ፤ “እንሆ፥ ክትዛረቦ ዝግብኣካ ቓል ኣብ ኣፍካ ኣንቢረ እየ። 10ረአ፥ ሎሚ ኽትብቍስን ከተፍርስን፥ ክተዕኑን ክትግልብጥን፥ ክትነድቕን ክትተክልን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስታትን ኣቝመካ እየ” በለኒ።
ክልተ ራእያት
11ድሕሪዙይ “ኤርሚያስ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነ ድማ “በትሪ ኦም ለውዚ #1፡11 በትሪ ኦም ለውዚ፦ “ቀልጢፉ ዝበቍልን ዝበስልን ኦም እዩ” እርኢ ኣለኹ” ኢለ መለስኩሉ።
12እግዚኣብሄር ከዓ “ፅቡቕ ርኢኻ፥ ንቓለይ ክተግሀሉን ከም ዝፍፀም ክገብሮን እየ” በለኒ።
13ንኻልኣይ ጊዜ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦ ኣነውን “ገፁ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዝፈልሕ ድስቲ እርኢ ኣለኹ” በልኩ።
14ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ካብ ሰሜን ወገን ኣብዛ ምድሪ ናብ ዝነብሩ ዅሎም፥ ክፉእ ነገር ክወርድ እዩ። 15እንሆ፥ ኣነ ንዅሎም ናይ ሰሜን መንግስታት ኣህዛብ ክፅውዖም እየ” ይብል እግዚኣብሄር። “ንሳቶም ከዓ መፂኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደገታት ኢየሩሳሌምን ኣብ ዙርያ ቕፅራን ኣብ ዙርያ እተን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ዘዙፋኖም ከንብሩ እዮም። 16ብሰንኪ ሓጢኣቶም፥ ንኣይ ስለ ዝሓደጉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ዕጣን ስለ ዝዓጠኑን፥ ኣእዳዎም ንዝሰርሕዎም ጣዖታት ስለ ዝሰገዱን ፍርደይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከንብር እየ። 17ንስኻ ግና ሕቘካ ተዓጠቕ፤ ተሲእኻ ዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኣቶም ከየሕፍረካስ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ። 18እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ። 19ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
ኤርሚያስ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in