ኤርሚያስ መእተዊ
መእተዊ
ነቢይ ኤርሚያስ ኣብ መወዳእታ ሻውዓይ ዘመንን ኣብ መጀመርታ ሻድሻይ ዘመንን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ነበረ። ኣብዝ ነዊሕ ኣገልግሎት እዙይ፥ ህዝቢ እግዚኣብሄር ጣዖት ብምምላኾምን ሓጢኣት ብምስራሖምን፥ ካብ እግዚኣብሄር ከቢድ ጥፍኣት ከም ዝበፅሖም የጠንቅቖም ነበረ። እዝ ዝተናገሮ ትንቢት ክፍፀም እንተሎ ኸዓ ብዓይኑ ረአየ፦ ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ወደቐት፤ ኢየሩሳሌምን ቤተ መቕደስን ዓነዋ፤ ንጉስ ይሁዳን ብዙሓት ህዝቡን ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወሰዱ። ኣብ ልዕሊ እዙይውን ኤርሚያስ፥ እቲ ህዝቢ ኻብ ምርኮ ኸም ዝምለስን መንግስቲ እስራኤል ከም ዝቐውምን፥ ኣቐዲሙ ተዛረበ።
ትንቢተ ኤርሚያስ ኣብ ሓሙሽተ ኽኽፈል ይከኣል፦ 1. ኤርሚያስ ከም ዝተፀውዐ 2. ብዘመን መንግስቲ ኢዮኣስን ኢዮኣቄምን ኢኮንያንን ሴዴቅያስን፥ ንህዝቢ ይሁዳን ንመራሕቶምን ካብ እግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቓል። 3. ናይ ኤርሚያስ ፀሓፊ ዝነበረ ባሮክ ዝኣከቦ ዝተፈላለየ ቓል ትንቢትን ኣብ ጊዜ ኤርሚያስ ዝተፈፀሙ ዓበይቲ ነገራትን ዝሓዘ ደብተር። 4. ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ዝተልኣኸ ቓል ትንቢት። 5. ብዛዕባ ውድቀት ኢየሩሳሌምን ብምርኮ ናብ ባቢሎን ምኻድን ዝገልፅ ታሪኻዊ ፅሑፍ እዩ።
ኤርሚያስ ንህዝቡ ዘፍቅርን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ኸይንበ ዝስቀቕ ዝነበረን ነቢይ እዩ። እግዚኣብሄር ነቢይ ኾይኑ ኸገልግል ምስ ፀውዖ እሞ መከራ ምስ ገጠሞ ብሓዘን ዝተዛረቦ ቓል ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ይርከብ። ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ኸም ሓዊ ይነድድ ስለ ዝነበረውን ክዓግቶ ኣይኽእልን ነበረ።
ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ትንቢት፥ ገሊኡ ነቲ መከራ ዝመልኦ ዘመን ኤርሚያስ ሰጊሩ፥ ሓድሽ ኪዳን ንህዝቢ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ፥ ንሳቶም ድማ ኣብ ልቦም ክፀሓፍ ስለ ዝኾነ ብዘይ መምህር ከም ዝሕልውዎ ይሕብር (31፡31-34)
ትሕዝቶ
1. ኤርሚያስ ከም ዝተፀውዐ 1፡1-19
2. ብዘመን መንግስቲ ኢዮኣስ፥ ኢዮኣቄም፥ ኢኮንያን፥ ሴዴቅያስ ዝተነግረ ትንቢታት 2፡1-25፡38
3. ኣብ ጊዜ ኤርሚያስ ዝነበረ ዅነታት 26፡1-45፡5
4. ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዝተነግረ ትንቢት 46፡1-51፡64
5. ውድቀት ኢየሩሳሌም 52፡1-34
Currently Selected:
ኤርሚያስ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in