ኤርሚያስ 2
2
ክሕደት እስራኤል
1ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መፀ፤ 2“ኪድሞ ኣብ ኣእዛን ኢየሩሳሌም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ድምፂ ኣስምዕ፤
ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ።
“ፍቕሪ ንእስነትክን፥
መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥
ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን፥
ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።”
3“እስራኤል፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነበረ፤
በዅሪ ቐውዐይውን ነበረ፤
ኵሎም እቶም ዝበልዕዎ ኸም በደልቲ ይቝፀሩ፤
ክፉእ ነገርውን ክረኽቦም እዩ፤
ይብል እግዚኣብሄር።”
ሓጢኣት ኣቦታት እስራኤል
4ኣቱም ደቂ ያእቆብ፥
ኵልኻትኩም ዓሌት ቤት እስራኤል፥
ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤
5“ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፥
ከንቱ ንዝኾኑ ዝተኸተሉ፥
ንርእሶምውን ከንቱ ኾይኖም ዝተረፉ፥
እንታይ ጥፍኣት ረኺቦሙለይ እዮም?”
ይብል እግዚኣብሄር።
6ንሳቶም “እቲ ኻብ ሃገር ግብፂ ዘውፅአና፥
ብምድረ በዳ፥ ብምድሪ ፅምዋን ድንጕርን፥
ብምድሪ ኣፃምእን ብፀልማትን፥
በቲ ሓደ እኳ ዘይሓልፎን፥
ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ
ዝመርሐና እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?
ኢሎም ኣይጠየቑን።”
7“ኣነ ድማ ፍሪኣን ሃብታን ምእንቲ ኽትበልዑ፥
ናብ ፈራዪት ምድሪ ኣእተኹኹም፤
ንስኻትኩም ግና ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥
ንምድረይ ኣርከስክምዋ፤
ንርስተይውን ኣርከስኩምዋ።”
8“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’
ኢሎም ኣይጠየቑን፤
መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤
መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤
ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤
ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”
9“ስለዙይ ምሳኻትኩም ክከራኸር እየ፤
ምስ ደቂ ደቅኹምውን ክከራኸር እየ
ይብል እግዚኣብሄር።”
10“ተሳጊርኩም ክሳዕ ደሴት ኪቲም #2፡10 ኪቲም፦ እቲ ሕዚ “ቆጵሮስ” ዝበሃል እዩ። ኪዱሞ ረአዩ፤
ክሳዕ ምድሪ ቄዳርውን ለኣኹ እሞ፥
ኣፀቢቕኩም መርምሩ፤
ቅድሚ እዙይ ከምዙይ ዝመሰለ ነገር፥
ተገይሩ እንተ ኾይኑ ተመልከቱ።”
11“ናይ ብሓቂ ደኣ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን እምበር፥
ኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ?
ህዝበይ ግና ንኽብሮም፥
ከንቱ ብዝኾነ ለወጡ።”
12-13ህዝበይ ክልተ ኽፉኣት ነገራት ገይሮም እዮምሞ፤
ፈልፋሊ ማይ ህይወት ንዝኾንኩ ንኣይ ሓደጉኒ፤
ንርእሶም ከዓ ማይ ዘየዕቍር፥
ነቓዕ ሓፅብታት ኲዒቶም እዮም፤
ኣቱም ሰማያት፥ በዙይ ተገረሙ፤ ደንግፁ፤
የመናውን ራዕራዕ በሉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሳዕቤን ጥልመት ህዝቢ እስራኤል
14ብሓቂ እስራኤል ባርያ ድዩ?
ወይ ኣብ ቤት ዝተወለደ ባርያ ደኾን እዩ?
ስለ ምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ?
15ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉ፤
ድምፆምውን ኣስምዑ፤
ንምድሩ ኸዓ ኣዕነዉ፤
ከተማታቱውን ተቓፀላ፤ ዝነብረለንውን የለን።
16ደቂ ሜምፎስን ጣፍናስን ኣነወሩኽን ኣላገፁልክን።
17እዝ ዅሉ ዝወረደኪ ብቕኑዕ መንገዲ ንዝመርሐኪ፥
ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥
ስለ ዝሓደግክኒዶ ኣይኮነን?
18ካብ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ፥
ብመንገዲ ግብፂ እንታይ ጉዳይ ኣለኪ?
ካብ ፈለግ ኤፍራጥስ ማይ ክትሰትዪኸ፥
ብኣሶር መንገዲ እንታይ ኣለኪ?
19ክፍኣትኪ ኽግስፀኪ፥
ጥልመትኪ ኸዓ ኽዘልፈኪ እዩ።
ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን፥
ንኣይ ዘይምፍራሕን ክንደይ ክፉእን መሪርን
ከም ዝኾነ ፍለጢ፤ ኣስተውዕሊውን!
ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እስራኤል ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ከም ዝኣበየት
20ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤
መእሰሪኺ በተኽኩ፤
ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤
ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥
ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥
ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
21ኣነ ኸም ሕሩይ ሃረግ ወይኒ፥
ካብ ፅሩይ ዘርኢ ገይረ ተኸልኩኺ፤
ከመይ ኢልኪ ደኣ፥
ናብ ድቃላ ሃረግ ወይኒ ተለወጥኪ?
22ብሽብጢ እኳ እንተ ተሓፀብኪ፥
ብዙሕ ሳሙናውን እንተ ተጠቐምኪ፥
ኣብ ቅድመይ ብሓጢኣትኪ ረኺስኪ ኣለኺ፤
ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
23ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤
ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን”
ትብሊ ዘለኺ?
ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤
ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤
ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥
እትፋንን ግመል ኮንኪ።
24ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዝለመደት፥
ንድልየታ ንፋስ ከም እተሽትት፥
ካብ ድልየታ ኽኽልክል ዝኽእል ከም ዘየለ፥
ኣድጊ በረኻ ኾንኪ፤
ዝደልይዋ ዅላቶም ኣይደኽሙን፤
ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ።
25እግርኺ ጥራሑ ኻብ ምዃን፥
ጐረሮኺ ድማ ኻብ ምፅማእ ማይ ከልክሊ፤
ንስኺ ግና “ጓኖት ፈትየ ኣለኹ፤
ደድሕሪኣቶም ክስዕብ እየ እሞ፥
እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” በልኪ።
ህዝቢ እስራኤል ክቕፅዑ ይግብኦም እዩ
26ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም። 27ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሂቦምኒ እዮም እሞ፥ ንኦም “ንስኻ ኣቦይ ኢኻ” ንእምኒ ድማ “ንስኻ ወለድካኒ” ይብሉ፤ ብጊዜ መከራኦም ግና “ተስእ እሞ ኣድሕነና” ይብሉኒ።
28“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ። 29ኵልኻትኩም ካባይ ከዲዕኹም ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ እትከራኸሩኒ? ይብል እግዚኣብሄር። 30ኣነ ንደቅኹም ብኸንቱ ቐፃዕኽዎም፤ ንሳቶም ግና ኣይተቐፅዑን። ሰይፍኹም ከም ዝሰላልዕ ኣንበሳ ንነቢያትኩም በልዖም። 31ኣታ ትውልዲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ንእስራኤልዶ ኸም ፀምፀም በረኻን ድቕድቕ ፀልማት ከም ዝኾነ ምድርን ኮይነዮም እየ? ስለ ምንታይ ደኣ ህዝበይ ‘ድልየትና ኽንገብር ኢና፤ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝብል? 32ጐርዞ ሽልማታ፥ መርዓት ከዓ ኽዳን መርዓኣዶ ትርስዕ እያ? ህዝበይ ግና ቝፅሪ ንዘይብሉ መዓልቲታት ረስዐኒ። 33ፍቕሪ ንምድላይ መንገድኺ ኸመይ ተቕንዒ ኣለኺ፤ ስለዙይውን ንኽፉኣት ኣንስቲ እኳ መንገድኺ ምሂርክየን ኢኺ። 34ደም ንፁሃት ድኻታት ኣብ ኢድኪ ተረኺቡ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ብጋህዲ ረኸብክዎ እምበር ብስውር ደልየ ኣይረኸብክዎን። ብደም እቶም ዝቐተልኪዮም ንፁሃት ድኻታት ተፀዪቑ፤ እንሆ እዝ ዅሉ ጌርኪውን፥ 35‘ኣነ ንፅህቲ እየ፤ ብርግፅ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ ኣለኺ። ኣነ ግና እንሆ ‘ሓጢኣት የብለይን’ ስለ ዝበልኪ፥ ብፍርዲ ክኸሰኪ እየ። 36ስለ ምንታይ መንገድኺ ንምልዋጥ ትጐዪ ኣለኺ? ኸምቲ ብኣሶር ዝተዋረድኪ፥ ብግብፂ ኸዓ ኽትዋረዲ ኢኺ። 37ኢድኪ ኣብ ርእስኺ ጌርኪ ኽትወፂ ኢኺ። ነቶም እትእመንዮም፥ እግዚኣብሄር ደርቢይዎም እዩሞ፥ ብኣኣቶም ኣይቐንዐክን እዩ።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in