YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት መእተዊ

መእተዊ
ኣብ መፅሓፈ መሳፍንት ተጠቒሱ ዘሎ ታሪክ፥ በቲ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ጠፊኡ ዝነበረሉ ዘመን፥ ማለት ከነዓን ካብ እትተሓዝ ጀሚሩ ኽሳዕ ምምስራት ንጉሳዊ መንግስቲ ዝነበረ ዘመን ዝኾነ ነገራት እዩ። መብዛሕትኦም እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ “መሳፍንቲ” ሰራዊት ዝመርሑ ጀጋኑ እዮም ዝነበሩ። ካብዚኣቶም የመና ውሩይ ዝነበረ ሶምሶን እዩ። ታሪኩ ኸዓ ኻብ ምዕራፍ 13 ክሳዕ 16 ተመልኪቱ ኣሎ።
ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ክንመሃሮ እንኽእል ሓደ ዓብዪ ትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ድማ፦ ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣሚኖም ክመላለሱ እንተለዉ ድሕነት ይረኽቡ ነበሩ። ካብ እግዚኣብሄር ክርሕቑ እንተለዉ ግና ጥፍኣት ይወርዶም ነበረ። እቲ ኻብዙይ ዝበለፀ ድማ፦ እቶም ህዝቢ ንኣምላኾም ምስ ጠለሙ እሞ መዓት ምስ ወረዶም፥ ተናሲሖም እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ንምድሓኖም ኣይድንጕን ነበረ።
ትሕዝቶ
1. ቅድሚ ሞት ኢያሱ ዝነበረ ዅነታት 1፡1-2፡9
2. መሳፍንቲ እስራኤል 2፡10-16፡31
3. ዝተፈላለየ ታሪኻት 17፡1-21፡25

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in