YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 24

24
ኪዳን ኣብ ሴኬም ከም ዝተሓደሰ
1ኢያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም። ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ነሕሉቖምን ንፈራዶኦምን ንሹመኛታቶምን ፀውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።
2ነቶም ህዝቢ ብምሉኦም ድማ ኸምዙይ በሎም፦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ቀዳሞት ኣቦታትኩም፥ ኣቦ ኣብርሃምን ናኮርን ዝኾነ ታራ እንተይተረፈ፥ ኣብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ይቕመጡ ነበሩ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ። #ዘፍ. 11፡27። 3ነቦኹም ኣብርሃም ከዓ ኻብ ማዕዶ ሩባ ኤፍራጥስ ወሲደ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ከነዓን መራሕኽዎ፤ ዘርኡውን ኣብዛሕኹ፤ ንይስሓቅ ከዓ ሃብኩዎ። #ዘፍ. 12፡1-9፥ 21፡1-3። 4ንይስሓቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብኩዎ። ንኤሳው ከዓ ዀረብታታት ኤዶምያስ ክወርስ ሃብኩዎ። ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብፂ ወረዱ። #ዘፍ. 25፡24-26፥ 36፡8፥ 46፡1-7፥ ዘዳ. 2፡5።
5ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸዓ ንግብፂ፥ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገበርኩዎ ገይረ ቐፃዕኽዋ፤ ብድሕሪኡ ድማ ኣውፃእኹኹም።#ዘፀ. 3፡1—12፡42። 6ነቦታትኩም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ግብፃውያን ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰዓብዎም። ናብ ባሕሪ ኤርትራ ምስ በፅሑ፥ 7ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤ ኣብ መንጎኣቶምን ኣብ መንጎ ግብፃውያንን ድማ ፀልማት ገበርኩ፤ ነቲ ባሕሪ ኸዓ ናብ ልዕሊኣቶም ሰዲደ ደፈንክዎም። እቲ ንግብፃውያን ዝገበርኩዎ በዒንትኹም ርኢኹምዎ ኢኹም። ኣብ ምድረ በዳ ድማ ነዊሕ ዘመን ነበርኩም። #ዘፀ. 14፡1-31።
8ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእተኹኹም፤ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፤ ምድሮም ድማ ወረስኩም፤ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእኽዎም። #ዘሑ. 21፡21-35። 9ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ። 10ኣነ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለኹን፤ ስለዙይ ንሱስ ደጋጊሙ ደኣ ባረኸኩም፤ ካብ ኢድ ባላቅውን ኣድሓንኩኹም። #ዘሑ. 22፡1-24፥25።
11ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ኢያሪኮ መፃእኹም እሞ፥ ሰብ ኢያሪኮን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ጌርጌሳውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን፥ ድማ ተዋግኡኹም፤ ኣነ ኸዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም። #ኢያሱ 3፡14-17፥ 6፡1-21። 12ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ዘሳጉግ ዕኮት ቀቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፥ ብሰይፍኹምን ብቐስትኹምን ኣይሰጐጕኩምዎምን። #ዘፀ. 23፡28፥ ዘዳ. 7፡20። 13ዘይፀዓርኩምላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፤ ኣብኣተን ከዓ ትነብሩ ኣለኹም፤ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ በላዕኹም። #ዘዳ. 6፡10-11።
14“ሕዚ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ፤ ብፍፁምነትን ብቕኑዕ ልብውን ኣምልኽዎ፤ ነቶም ኣብ ሰገር ሩባን ኣብ ግብፅን ኣቦታትኩም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣወጊድኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምልኹ። 15ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ክፉእ መሲሉ እንተ ተርአየኩም ግና ንመን ከም እተምልኹ፥ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ሰገር ሩባ ዘምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፥ ወይ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣማልኽቲ ኣሞራውያን እንተ ኾይኑ፥ ሎሚ ምረፁ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ክነምልኽ ኢና።”
16ሽዑ እቶም ህዝቢ “ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ካባና ይርሓቕ። 17እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብ ቤት ባርነት ዘውፅአና፥ ዓበይቲ ተኣምራት ከዓ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መንገድን ኣብቶም ብማእኸሎም ዝሓለፍና ዅሎም ኣህዛብንውን ዝሓለወና፥ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩሞ። 18ንዅሎም እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምን ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ካብ ቅድሜና ዝሰጐጎም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፥ ንሕናውን ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” ኢሎም መለሱ።
19ኢያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፦ “እግዚኣብሄር ቅዱስ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በደልኩምን ሓጢኣትኩምን ኣይምሕረኩምን እዩ። 20ንእግዚኣብሄር ሓዲግኩም ንባዕዳን ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩም፥ ንሱ ቕድም እኳ ፅቡቕ እንተ ገበረልኩም፥ ተመሊሱ ኽቐፅዐኩምን ከጥፍአኩምን እዩ” በሎም።
21እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ “ኣይኸውንን፥ ንእግዚኣብሄር ኢና እነምልኽ” በልዎ።
22ኢያሱ ኸዓ ነቶም ህዝቢ፥ “ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ክተምልኽዎ ኸም ዝሓረኹም ባዕልኻትኩም መሰኻኽር ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ መሰኻኽር ኢና” በሉ።
23“እምበኣር ሕዝስ ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ባዕዳን ኣማልኽቲ ኣወግድዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ።” 24እቶም ህዝቢ ድማ ንኢያሱ፥ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እነምልኽ፥ ንቓሉውን ክንእዘዝ ኢና” በልዎ።
25ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቶም ህዝቢ ቓል ኪዳን ኣተወ፤ ሕግን ፍርድን ከዓ ኣብ ሴኬም ኣቖመሎም። 26ኢያሱ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ፀሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸዓ፥ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ዳዕሮ ኣቖሞ።
27ኢያሱ፥ ነቶም ኵሎም እቶም ህዝቢ “እንሆ፥ እዝ እምኒ እዙይ ነቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበና ዅሉ ቓል ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ ምስክር ክኸውን እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣምላኽኩም እንተ ኸሓድኩምዎ ንሱ ምስክር ክኸውን እዩ” በሎም። 28ሽዑ ኢያሱ ነቶም ህዝቢ ነናብ ርስቶም ሰደዶም።
ኢያሱ ኣብ ምድሪ ተስፋ ኸም ዝተቐበረ
29ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ከዓ፥ ባርያ እግዚኣብሄር፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኮነ ሞተ። 30ኣብ ወሰን ርስቱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ኣብታ ኣብ ሰሜን ጎቦ ጋዓሽ ዘላ ኣብ ተምናሴራ ድማ ቐበርዎ። #ኢያሱ 19፡49-50።
31ደቂ እስራኤል ከዓ፥ ብዅሉ ዘመን ኢያሱ ንእግዚኣብሄር የገልግሉ ነበሩ። ከምኡውን ብዅሉ ዘመን እቶም ብድሕሪ ኢያሱ ነዊሕ ዝፀንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈልጡ ዓበይቲ፥ ንእግዚኣብሄር የምልኽዎ ነበሩ።
32እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዝተማልእዎ ኣዕፅምቲ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ኤሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቅርሺ [ብሩር] ዝዓደጋ ግራት፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ኾነቶም። #ዘፍ. 33፡19፥ 50፡24-25፥ ዘፀ. 13፡19፥ ዮሓ. 4፡5፥ ግ.ሓ. 7፡16።
33ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፥ ኣብታ ኣብ ዝባን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ ዝተውሃበት ከተማ፥ ኣብ ገባዖን ከዓ ቐበርዎ።

Currently Selected:

ኢያሱ 24: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in