YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 19

19
ሓደ ሌዋዊን ሰበይቲ ወሰኑን
1በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም የመና ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ዝቕመጥ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ኣእተወ። 2እታ ሰበይቲ ወሰኑ ግና ኣብ ልዕሊኡ ኣመንዘረት፤ ሓዲጋቶ ድማ ናብ እንዳቦኣ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸደት፤ ኣብኡውን ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጠት። 3እቲ ሰብኣያ ምስኣ ዕርቂ ደልዩ ናብ ገዛኡ ኽመልሳ ናብኣ ክኸይድ ተልዓለ። ኣሰራ ተኸቲሉውን ከደ። ሓሽከሩን ክልተ ኣእዱግን ከዓ ምስኡ ነበሩ። ንሳውን ናብ ገዛ ኣቦኣ ኣእተወቶ፤ ኣቦ እታ ሰበይቲ ምስ ረአዮውን ተሓጒሱ ተቐበሎ። 4እቲ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ ግዲ ስለ ዝበሎ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠ። ይበልዑን ይሰትዩን፥ ኣብኡውን ይሓድሩ ነበሩ።
5ብራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተስኡ፤ እቲ ሌዋዊ ድማ ክኸይድ ተልዓለ። ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይ ጓሉ፥ “ቍራስ እንጀራ በሊዕኻ ሰውነትካ ኣበርቲዕኻ፥ ብድሕሪኡ ትኸይድ” በሎ። 6ክልቲኦም ድማ ኮፍ ኢሎም ብሓደ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ ነቲ ሰብኣይ “በይዛኻ ንሎሚ ለይቲ ተሓጒስካ ሕደር” በሎ። 7እቲ ሰብኣይ ግና ክኸይድ ተስአ፤ እቲ ሓሙኡ ግዲ ምስ በሎ ኸዓ፥ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ። 8ብሓምሸይቲ መዓልቲ ድማ ክኸይድ ኣንጊሁ ተስአ። ኣቦ እታ ሰበይቲ ኸዓ “በይዛኻ ሰብነትካ ኣበርትዕ፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝደግስ ፅናሕ” በሎ፤ ክልቲኦም ድማ በልዑ።
9እቲ ሰብኣይ ምስታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ሓሽከሩን ክኸይድ ምስ ተልዓለ፥ ሓሙኡ፥ ኣቦ እታ ሰበይቲ፥ “እንሆ፥ እቲ መዓልቲ ኽዓርብ ቀሪቡ እዩሞ ሕደር፤ ልብኻውን ይተሓጐስ፤ ፅባሕ ድማ ናብ ገዛኻ ኽትከይድ ኣንጊህኹም መንገድኹም ትጅምሩ” በሎ። 10እቲ ሰብኣይ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኽሓድር ስለ ዘይደለየ ተሲኡ ኸደ፤ ኢየሩሳሌም ናብ ዝተብሃለት ኣብ መንፅር ኢያቡስ ከዓ በፅሐ። እተን ክልተ ፅዑናት ኣእዱግን እታ ናይ ወሰን ሰበይቱን ድማ ምስኡ ነበራ።
11ኣብ ኢያቡስ ምስ በፅሑ፥ ምድሪ መስያ ነበረት እሞ፥ እቲ ሓሽከር ንጐይታኡ “በይዛኻ ነዓ፥ ናብዛ ኸተማ ኢያቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር” በሎ።
12ጐይታኡ ኸዓ “ከተማ ደቂ እስራኤል ናብ ዘይኮነት ኣይንኣቱን ኢና። ናብ ገባዖን ደኣ ንሕለፍ” በሎ። 13ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነዓናይ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚኣተን ንቕረብ እሞ ኣብ ገባዖን ወይ ኣብ ራማት ንሕደር” በሎ። 14ሓሊፎም ድማ ኸዱ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ እንተለዉ ፀሓይ ዓረበቶም። 15ኣብ ገባዖን ኣትዮም ክሓድሩ ናብኣ ኣግለሱ፤ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፤ ኣብ ገዛኡ ኸሕድሮም ዝተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን።
16እንሆ ድማ፥ ኣብ ማሕረስ ዝወዓለ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ኣጋ ምሸት መፀ። እዝ ሰብኣይ እዙይ ከዓ ኻብ ኰረብታታት ኤፍሬም መፂኡ፥ ወሰንተኛ ኾይኑ፥ ኣብ ገባዖን ይቕመጥ ነበረ። ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ። 17ዓይኑ ቘላሕ እንተበለ ኸዓ ነቲ ሓላፊ መንገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረአዮ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዓ፥ “ናበይ እትኸይድ ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ።
18ንሱ ድማ “ንሕና ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእና ኢና፤ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ማዕዶ እንሓልፍ ኢና፤ ንሕና ካብኡ ኢና፤ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸዓ ኬድና ኔርና፤ ሕዚ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኸይድ ኣለና፤ ኣብ ገዛኡ ዘሕድረና ሰብ ግና ስኢንና። 19ነእዱግና ዝኸውን ሓሰርን ጥረን፥ ንኣይን ነዛ ኣገልጋሊትካን ነዝ ምሳና ዘሎ ኣገልጋልን ዝኸውን እንጀራን ወይንን ኣለና፤ ዝጐድለና ነገርውን የለን” በሎ።
20እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ድማ “ሰላም ምሳኻ ይኹን፤ ግዳስ ኣብዝ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበር፥ ኵሉ እትደልዮ ኽህበካ እየ” በሎ። 21ናብ ገዛኡ ኣእትዩ ኸዓ፥ ነተን ኣእዱግ ዝብላዕ ሃበን፤ ኣእጋሮም ተሓፂቦም ከዓ በልዑን ሰተዩን።
22እቶም ኣጋይሽ ከምዙይ ኢሎም ክሕጐሱ እንተለዉ፥ እንሆ ብዕሉጋት ሰባት እታ ኸተማ፥ ነታ ገዛ ኸበብዋ፤ ነቲ ማዕፆ ብሓይሊ እናወቕዑ ኸዓ ነቲ በዓል ገዛ ሽማግለ ሰብኣይ፥ “ነዝ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፥ ኣውፅኣዮ” ኢሎም ተዛረብዎ።
23እቲ በዓል ገዛ ሰብኣይ፥ ናብኣቶም ወፂኡ “ኣሕዋተይ! ኣይፋልኩምን፥ በይዛኻትኩም ክፉእ ኣይትግበሩ፤ እዝ ሰብኣይ እዙይ ኣብ ገዛይ ካብ ኣተወስ፥ እዝ ነውሪ እዙይ ኣይትግበሩ። 24እንሆ፥ ድንግል ጓለይን ናይ ወሰን ሰበይቱን፥ ንኣኣተን ከውፅአልኩም፤ ከም ዝደለኹም ግበሩወን፤ ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ግና ኸምዙይ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ” በሎም። #ዘፍ. 19፡5-8።
25እቶም ሰባት ግና ኽሰምዕዎ ኣይደለዩን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ ናብኣቶም ናብ ደገ ኣውፅኣ። ንሳቶም ከዓ፥ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣሕሰርዋ። ኣጋ ወጋሕታ ምስ ኮነ ኽትከይድ ሰደድዋ። 26ክወግሕ ምስ ጀመረ፥ እታ ሰበይቲ ናብቲ ጐይታኣ ዘለዎ ኣፍ ደገ ቤት እቲ ሰብኣይ መፂኣ፥ ክሳዕ ፀሓይ እትበርቕ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት።
27እቲ ሰብኣያ ጊሓት ተሲኡ ማዕፆ እታ ቤት ከፈተ፤ መንገዱ ክኸይድውን ወፀ፤ እንሆ፥ እታ ናይ ወሰን ሰበይቱ፥ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፥ ኣእዳዋ ኸዓ ኣብቲ ድርኵዂት ዘርጊሓ ነበረት። 28ንሱ ድማ “ተስኢ ንኺድ” በላ፤ ንሳ ግና ሞይታ ስለ ዝነበረት ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ፅዒንዋ፥ ተልዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ።
29ኣብ ገዛኡ ምስ ኣተወ፥ ካራ ወሲዱ ነታ ናይ ወሰን ሰበይቱ ሒዙ በቲ መፈላለዪ ኣዕፅምታ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ቝራፅ ቘራሪፁ፥ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። #1 ሳሙ. 11፡7። 30ኵሉ ነዙይ ዝረኣየ ኸዓ “ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብፂ ኻብ ዝወፁላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኸምዙይ ዝመሰለ ኾይኑን ተርእዩን ኣይፈልጥን። ስለዙይ ሕሰቡሉን ምኸሩሉን፤ ተነጋገሩሉን” በለ።

Currently Selected:

መሳፍንት 19: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for መሳፍንት 19