YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 20

20
ደቂ እስራኤል ምስ ነገድ ብንያም ከም ዝተዋግኡ
1ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወፁ። እቲ ማሕበርውን ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህን ካብ ምድሪ ገለዓድንውን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ምፅጳ ተኣከቡ። 2ኣሕሉቕ ኵሉ ህዝብን ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ሰይፊ ዝተዓጠቑ ዅሎም ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ኣብቲ ጉባኤ ህዝቢ እግዚኣብሄር ቆሙ። 3ደቂ ብንያም ድማ፥ ደቂ እስራኤል ንምፅጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ከዓ “እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ኸም ዝኾነ ንገሩና” በልዎም።
4ሽዑ እቲ ሌዋዊ፥ ሰብኣይ እታ ዝተቐተለት ሰበይቲ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኣነን እታ ናይ ወሰን ሰበይተይን ኣብ ገባዖን ናይ ብንያም ክንሓድር መፃእና። 5እቶም ሰብ ገባዖን ድማ ተልዓሉኒ፤ ኣብታ ዘአተኹዋ ገዛ ብለይቲ ኸበቡኒ፤ ክቐትሉኒ ኸዓ ሓሰቡ፤ ነታ ናይ ወሰን ሰበይተይ ዓመፅዋሞ ሞተት። 6ኣነ ኸዓ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ሓጢኣትን ነውርን ስለ ዝገበሩ፥ ነቲ ሬሳኣ ወሲደ ቘራረፅክዎ እሞ ናብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ሰደድክዎ። 7ኣቱም ኣብዙይ ዘለኹም ደቂ እስራኤል ምኽርኹምን ውሳነኹምን ሃቡ” በሎም።
8ኵሉ እቲ ህዝቢ ብሓደ ኾይኑ፦ “ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፤ ሓደ እኳ ናብ ገዛኡ ኣይመለስ። 9ሕዚ ግና ንገባዖን ከምዙይ ክንገብራ ኢና፦ ዕፃ ኣውዲቕና ኣብ ልዕሊኣ ንደይብ። 10ስንቂ ዝወስዱ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፥ ካብ ሚእቲ ዓሰርተ፥ ካብ ሽሕ ከዓ ሚእቲ፥ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ። እቶም ዝዋግኡ ኸዓ ነታ ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ገባዖን፥ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት ዝግብኣ ኽፈድይዋ እዮም” በለ። 11ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ኣብታ ኸተማ ተኣከቡ።
12ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ኵሉ ነገድ ብንያም፦ “እዝ ኣባኻትኩም ዝተፈፀመ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ? 13ሕዚ ኸዓ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ክነርሕቖስ፥ ነቶም ኣብ ገባዖን ዘለዉ ርኹሳት ሰባት ክንቀትሎም ሃቡና” ኢሎም ሰባት ለኣኹ።
እቶም ደቂ ብንያም ግና ቓል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ክሰምዑ ኣይደለዩን። 14ከካብ ከተማታቶም ናብ ገባዖን ተኣከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ ወፁ። 15በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወፁ ደቂ ብንያም፥ ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ሸውዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰባት፥ ዕስራን ሽዱሽተን ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ። 16ካብ ኵሉ እዝ ህዝቢ እዙይ ብፀጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ፀጕሪኳ ዘይስሕቱ ሸውዓተ ሚእቲ ምሩፃት ሰባት ነበሩ።
17ደቂ እስራኤል ድማ፥ ብዘይ ነገድ ብንያም፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሰይፊ ዝሓዙ ሰባት ነበሩ። እዚኣቶም ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ።
18ደቂ እስራኤል ተሲኦም ናብ ቤቴል ደየቡ፤ “ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደዪበልና?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ይሁዳ ይቐድም” በሎም።
19ደቂ እስራኤል ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ተሲኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንፅር ገባዖን ሰፈሩ። 20ሰብ እስራኤል ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ወፁ፤ ኣብ ጥቓ ገባዖን ድማ ተሰለፉ። 21ደቂ ብንያም ከዓ ኻብ ገባዖን ወፂኦም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም። 22ደቂ እስራኤል ድማ ንስንሳቶም ተጠናኺሮም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ። 23ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም።
24ደቂ እስራኤል ድማ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ምስ ደቂ ብንያም ክዋግኡ ቐረቡ። 25ደቂ ብንያም ከዓ ኻልአይቲ መዓልቲ ኽዋግእዎም ካብ ገባዖን ደየቡሞ፥ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቑሎም። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ።
26ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤቴል ደዪቦም በኸዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ፆሙ። ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ድሕነትን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ። 27ንእግዚኣብሄር ከዓ ጠየቕዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ። 28ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ከዓ ኣብ ቅድሚኡ የገልግል ነበረ። “መሊስናዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ክንዋጋእ ክንድይብ ወይ ክንሓድጎም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ድማ “ፅባሕ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እየ እሞ ደይብኩም፥ ተዋግእዎም” በሎም።
29ደቂ እስራኤል ከዓ ንገባዖን ኣብ ዙርያኣ ሕቡእ ደጀን ኣንበሩላ። 30ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፤ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣብ ቅድሚ ገባዖን ተሰለፉ። 31እቶም ደቂ ብንያም ድማ ነቲ ህዝቢ ኽዋግእዎ ኻብታ ኸተማ ስዒቦም ወፁ። ኣብተን ክልተ መንገዲ፥ ኣብታ ንቤቴል ኣቢላ እተድይብን፥ ኣብታ ንበረኻ ገባዖን እትወስድን፥ ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ነቲ ህዝቢ ኽወቕዕዎን ክቐትልዎን ጀመሩ፤ ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ቀተሉ።
32ደቂ ብንያም “ከምቲ ናይ ቅድም ንስዕሮም ኣለና” በሉ፤ ደቂ እስራኤል ግና “ካብ ከተማ ናብ መንገድታት ክንስሕቦምስ ንህደም ደኣ” በሉ።
33ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቦታኦም ተሲኦም ኣብ በዓል ታማር ተሰለፉ። እቲ ሕቡእ ዝነበረ ናይ እስራኤል ጦር ድማ ኻብታ ቦታኡ ኻብ ምዕራብ ገባዖን ወፀ። 34ካብ ኵሉ እስራኤል ዝተሓርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ንገባዖን ሓደጋ ኣውደቑላ፤ እቲ ውግእ ኸዓ በርትዐ፤ ደቂ ብንያም ግና ኽፉእ ከም ዝበፅሖም ኣይፈለጡን። 35እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ ብንያም ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝሰዓሩ ገበሮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ደቂ እስራኤል ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሓደ ሚእትን ሰባት ቀተሉ። እዚኣቶም ኵሎም ሰይፊ ዝሓዙ ተዋጋእቲ ነበሩ። 36ደቂ ብንያም ከዓ ኸም ዝተስዓሩ ረአዩ።
ደቂ እስራኤል በቲ ኣብ ገባዖን ዘንበርዎ ሕቡእ ጦር ስለ ዝተኣማመኑ ንደቂ ብንያም ረሓቑሎም። 37እቶም ሕቡኣት ተዋጋእቲ ድማ ብጕያ ናብ ገባዖን ጥሒሶም ኣትዮም፥ ንህዝቢ እታ ኸተማ ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም። 38ደቂ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዝለዓል ክገብሩ ምስቶም ዝተሓብኡ ተዋጋእቲ ተሰማሚዖም ነበሩ። 39ደቂ እስራኤል ትኪ ምስ ረአዩ ኽዋግኡ ገፆም መለሱ።
ደቂ ብንያም ከዓ “ብርግፅ ከምቲ ቐዳማይ ውግእ ተስዒሮም እዮም” በሉ እሞ ኽወቕዕዎምን ክቐትልዎምን ጀመሩ። ካብ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ሞቱ። 40እቲ ምልክት፥ በቲ ዓምዲ ትኪ፥ ካብታ ኸተማ ኽዓርግ ምስ ጀመረ፥ ደቂ ብንያም ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ኻብ ኵላ እታ ኸተማ ሃልሃልታ ንሰማይ ይዓርግ ነበረ። 41ሽዑ ደቂ እስራኤል ገፆም መለሱ፤ ሰብ ብንያም ከዓ ጥፍኣቶም ከም ዝበፅሐ ረአዩ እሞ ተሸበሩ። 42ስለዙይ ካብ ቅድሚ ሰብ እስራኤል ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሎም ሃደሙ፤ እቲ ዂናት ግና እግሪ እግሮም ሰዓቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወፁ ድማ ኣማእኺሎም ቀተልዎም። 43ንደቂ ብንያም ከቢቦም ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ መንፅር ገባዖን ኣሳጐጕዎም፤ ኣርኪቦምውን ወድእዎም። 44ካብ ሰብ ብንያም ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ወደቑ። እዚኣቶም ኵሎም ከዓ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። 45ተመሊሶም ድማ ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ። እስራኤላውያን ግና ኻብኣቶም ኣብ መንገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ። ክሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ።
46እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ደቂ ብንያም ዝወደቑ ዅሎም፥ ሰይፊ ዝሓዙ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ኮኑ። እዚኣቶም ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። 47ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ግና ንምድረ በዳ ኣቢሎም ናብ ኰዅሒ ሪሞን ሃደሙ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ። 48ሰብ እስራኤል ድማ ናብቶም ዝተረፉ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፥ ንሰብን ከፍትን ንዅሉ ዝረኸብዎን፥ ብስሕለት ሰይፊ ቐተሉ። ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታትውን ብሓዊ ኣባርዕወን።

Currently Selected:

መሳፍንት 20: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in