መሳፍንት 18
18
ደቂ ዳን ኣብ ሌሳ ከም ዝተቐመጡ
1በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን። ነገድ ዳን ድማ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ብፅሒት ርስቲ ኣይነበሮምንሞ፥ በቲ ዘመን እቱይ ዝነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ። 2ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፥ ነታ ምድሪ ኽስልሉን ክምርምሩን፥ ካብ ዓሌቶም፥ ሓሙሽተ ሓያላት ሰባት፥ ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን፥ “ኬድኩም ነታ ምድሪ ሰልዩዋ” ኢሎም ሰደድዎም።
ንሳቶም ከዓ ናብ ኰረብታታት ኤፍሬም፥ ናብ ቤት ሚካ መፁ፤ ኣብኣውን ሓደሩ። 3ኣብኡ እንተለዉ ነቲ መንእሰይ ሌዋዊ ብኣዘራርባኡ ፈለጥዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም፥ “ናብዙይ መን ኣምፅአካ? ኣብዙይከ እንታይ ትገብር ኣለኻ? ኣብዙይከ እንታይ ኣለካ?” በልዎ።
4ንሱ ድማ ሚካ ኸምዙይን ከምዙይን ገበረለይ። “ቈፀረኒውን፤ ኣነ ኸዓ ኻህን ኮንኩሉ” በሎም።
5ንሳቶም ድማ “እዛ እንኸዳ ዘለና መንገዲ እትቐንዐና እንተ ኾይና ኽንፈልጥስ፥ በይዛኻ ንእግዚኣብሄር ጠይቐልና” በልዎ።
6እቲ ኻህን ድማ “እዛ እትኸድዋ ዘለኹም መንገዲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያሞ ብሰላም ኪዱ” በሎም።
7እቶም ሓሙሽተ ሰባት ከዱ፤ ናብ ሌሳ ድማ ኣተዉ፤ እቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ተኣማሚኑ ኸም ሲዶናውያን ብህድኣትን ብሰላምን ከም ዝቕመጥ ረአዩ። ዘሸግሮምን ዝገዝኦምን ኣይነበረን።
ንሳቶም ካብ ሲዶናውያን ርሒቖም፥ ካብ ኵሉ ሰብ ተፈልዮም ንበይናቶም ይነብሩ ነበሩ።
8ናብ ፆርዓን ኤሽታዖልን፥ ናብ ኣሕዋቶም ምስ መፁ እቶም ኣሕዋቶም እንታይ ወረ ሒዝኩም ኣለኹም በልዎም።
9ንሳቶም ከዓ “እታ ምድሪ የመና ፅብቕቲ ኸም ዝኾነት ርኢናያ ኣለና። ተልዓሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ንደይብ። ንስኻትኩምከ ስቕ ዲኹም እትብሉ? ንምኽያድ፥ ኣቲኹምውን ነታ ምድሪ ንምውራስ ሸለል ኣይትበሉ። 10ኣብኣ ምስ በፃሕኹም ነቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድኩም ዝሃበኩም፥ ተኣማሚኑ ዝነብር ህዝብን የመና ገፋሕ ምድርን ክትረኽቡ ኢኹም። ንሳ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዅሉ ዝጐድላ ዘይብላ ምድሪ እያ” በልዎም።
11ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብኡት ኣፅዋር ውግእ ተዓጢቖም ካብ ፆርዓን ካብ ኤሽታዖልን ተልዓሉ። 12ደዪቦም ከዓ ኣብ ቅርያት የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዙይ እታ ብምዕራብ ቅርያት የዓሪም ዘላ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትብሃል ኣላ። 13ካብኣ ንዀረብታታት ኤፍሬም ሓሊፎም፥ ናብ ቤት ሚካ ኸዱ።
14ሽዑ እቶም ንሃገር ሌሳን ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት ነቶም ኣሕዋቶም፥ “ኤፉድን ተራፊምን፥ ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ኣብዘን ገዛውቲ እዚኣተን ከም ዘሎዶ፥ ትፈልጡ? ሕዚ ድማ እትገብርዎ ፍለጡ” ኢሎም ተዛረብዎም። 15ናብቲ ኣብ እንዳ ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ። 16እቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ደቂ ዳን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። 17እቲ ኻህን ምስቶም ኣፅዋር ውግእ ዝተዓጠቑ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ እንተሎ፥ እቶም ነታ ሃገር ክስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰባት፥ ናብታ ቤት ኣማልኽቲ ደዪቦም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ወሰድዎ።
18እዚኣቶም ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፥ እቲ ኻህን “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም?” በሎም።
19ንሳቶም ከዓ “ስቕ በል፤ ኢድካ ኣብ ኣፍካ ግበር። የግዳስ ንዓናይ ምሳና ኺድ፤ ኣቦን ካህንን ድማ ኹነና። ናይ ሓደ ቤተ ሰብ ካህን ካብ ምዃን፥ ናይ ሓደ ነገድ እስራኤል ካህን ምዃንዶ ኣይሕሽን?” በልዎ። 20ሽዑ እቲ ኻህን ብልቡ ተሓጐሰ፤ ነቲ ኤፉድን ንምስሊ ተራፊምን ነቲ ዝተፀርበ ምስልን ሓዘ፤ ብማእኸል እቲ ህዝቢ እውን ከደ። 21ንሳቶም ከዓ ዘይሮም ከዱ፤ ደቆምን እንስሳኣቶምን ኵሉ ዘለዎም ሃብትን ቀቅድሚኣቶም ገበሩ።
22ካብ ቤት ሚካ ምስ ረሓቑ ኸዓ እቶም ጐረባብቲ ቤት ሚካ ዝነበሩ ሰባት ብኣውያት ተኣኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም። 23ንደቂ ዳን ድማ ፀውዕዎም። ደቂ ዳን ከዓ ገፆም መሊሶም ንሚካ “ብኣውያት ሰብካ እትእክብ እንታይ ኴንካ ኢኻ?” በልዎ።
24ንሱ ድማ “ንስኻትኩም፥ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣለኹም፤ ከመይ ኢልኩም ‘እንታይ ኴንካ ኢኻ’ እትብሉኒ? እንታይዶ ተሪፉኒ እዩ?” በሎም።
25እቶም ደቂ ዳን ከዓ “ደሞም ዝፈልሖም ሰባት ከይዋግኡኻ እሞ፥ ንነፍስኻን ነፍሲ ቤተ ሰብካን ከይተጥፍእስ ድምፅኻ ኣብ ማእኸል ኣይተስምዕ” በልዎ። 26እቶም ደቂ ዳን ድማ መንገዶም ከዱ። ሚካ ኸዓ ኻብኡ ኸም ዝሕይሉ ምስ ረአየ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ። 27ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ምስልታትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኻህንን ሒዞም ናብቲ ሃዲኡን ተኣማሚኑን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፥ ናብ ሌሳ ኸዱ። ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተልዎም፥ ነታ ኸተማ ኸዓ ብሓዊ ኣባርዕዋ። 28ህዝቢ ሌሳ ኻብ ሲዶና ርሑቓት ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ርክብ ስለ ዘይነበሮም ዘድሕኖም ኣይነበረን። ሌሳ ከዓ ኣብቲ ኣብ ቤትሮዖብ ዘሎ ለሰ ዝተሰርሐት ከተማ ነበረት።
ደቂ ዳን ከዓ ነታ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ሰሪሖም ተቐመጥዋ። 29ብስም እቲ ንያእቆብ ዝተወልደሉ ኣቦኣቶም ዳን፥ ስም እታ ኸተማ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ሌሳ ይበሃል ነበረ። 30እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ፅሩብ ምስሊ ኽሰግዱሉ ኣቖምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር ዝተትሓዘትላ መዓልቲ፥ ዮናታን፥ ወዲ ጌርሳም ወዲ ሙሴ፥ ንሱን ዘርኡን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኮይኖም የገልግልዎም ነበሩ። 31እታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ኽሳዕ ዝነበረትሉ ዅሉ ዘመን፥ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ፅሩብ ምስሊ ንኣኣቶም ኣቚሞምዎ ነበሩ።
Currently Selected:
መሳፍንት 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in