መሳፍንት 11
11
1ገለዓዳዊ ዮፍታሔ፥ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ሓያል ጅግና ነበረ። ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ ወለደ። 2ሰበይቲ ገለዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ንሳቶም ምስ ዓበዩ ኸዓ፥ ንዮፍታሔ “ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ” ኢሎም ሰጐጕዎ። 3ሽዑ ዮፍታሔ ኻብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ጦብ ድማ ተቐመጠ። ናብ ዮፍታሔ ኸዓ ዘይረብሑ ዓመፀኛታት ሰባት ተኣከቡ፤ ሰዓብዎውን።
4ድሕሪ ቑሩብ ኣዋርሕ ከዓ፥ ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ። 5ደቂ ኣሞን ምስ እስራኤል ክዋግኡ እንተለዉ፥ እቶም ዓበይቲ ደቂ ገለዓድ ንዮፍታሔ ኻብ ምድሪ ጦብ ከምፅእዎ ኸዱ። 6“ምስ ደቂ ኣሞን ክንዋጋእ ኢና እሞ ነዓ ሓለቓና ኹን” በልዎ።
7ዮፍታሔ ድማ ንዓበይቲ ገለዓድ፥ “ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን ዝፀላእኹምንን፥ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምንን? ሕዚ ደኣ ምስ ጨነቐኩም ከመይ ኢልኩም ናባይ ትመፁ?” በሎም።
8እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ንዮፍታሔ “እወ፥ ግና ምሳና ኼድካ ንደቂ ኣሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ገለዓድ ሓለቓና ኽትከውን ስለ ዝደለና ኢና ሕዚ ናባኻ ዝተመለስና” በልዎ።
9ዮፍታሔ ኸዓ ንዓበይቲ ገለዓድ “ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብ ዓደይ እንተ መሊስኩምኒ፥ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሃበኒ፥ ሽዑ ኣነዶ ሓለቓኹም ክኸውን እየ?” በሎም።
10እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ “እወ፥ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ፤ ከም ቃልካ ኽንገብር ኢና” ኢሎም መለሱሉ። 11ሽዑ ዮፍታሔ ምስቶም ዓበይቲ ገለዓድ ከደ፤ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ሓለቓን መራሕን ገበርዎ። ዮፍታሔ ድማ ዅሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ምፅጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ።
12ዮፍታሔ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን፥ “ናባና መፂእኻ ንሃገርና እትዋግኣስ፥ ምሳና እንታይ ኣለካ?” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
13እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ድማ ንልኡኻት ዮፍታሔ፦ “እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፅእ እንተሎ፥ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፥ ሕዚ ምድረይ ብሰላም ምለሱለይ” በሎም።
14ዮፍታሔ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ኣሞን መሊሱ ልኡኻት ሰዲዱ፥ 15ከምዙይ በሎ፦ “ዮፍታሔ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ኣሞንን ኣይወሰደን። 16እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፀ ብምድረ በዳ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፤ ናብ ቃዴስ ድማ መፀ። 17ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶምያስ ልኡኻት ሰዲዶም፦ ‘በይዛኻ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። ንጉስ ኤዶምያስ ግና ኣይፈቐደን። ናብ ንጉስ ሞኣብ ከዓ ለኣኹ፤ ንሱውን ኣበየ እሞ፥ ደቂ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጡ። #ዘሑ. 20፡14-21።
18“ሽዑ ብምድረ በዳ ኸይዶም፥ ንምድሪ ኤዶምያስን ንምድሪ ሞኣብን ዞርወን፥ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መፂኦም ከዓ፥ ኣብ ማዕዶ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ወሰን ሞኣብ ስለ ዝነበረ፥ ናብ ማዕዶ ወሰን ሞኣብ ኣይሓለፉን። #ዘሑ. 21፡4።
19“ደቂ እስራኤል ከዓ ናብ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ ናብ ንጉስ ሓሴቦን፥ ልኡኻት ሰዲዶም፥ ‘በይዛኻ ኽሳዕ እታ ቦታና እንበፅሕ ብምድርኻ ኣሕልፈና’ በልዎ። 20ሴዎን ግና ንደቂ እስራኤል ስለ ዘይኣመኖም ብወሰኑ ኽሓልፉ ኣይደለየን። ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኸዓ ኣብ ያሃፅ ሰፈረ፤ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ።
21“እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ንሴዎንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ሰዓርዎም፤ ሽዑ ደቂ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፥ ብምልእታ ወረስዋ። 22ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፥ ካብ ምድረ በዳ ኸዓ ኽሳዕ ዮርዳኖስ፥ ኵሉ ወሰን ኣሞራውያን ወረሱ። #ዘሑ. 21፡21-24።
23“ሕዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጒጉዎም እዩ። ንስኻ ደኣ እንታዋይ ኢኻ ኽተሕድገና እትደሊ? 24ንስኻ እቲ ኸሞሽ ኣምላኽካ ዝሃበካ ውረስ፤ ንሕና ኸዓ ኸምኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝሃበና ኽንወርስ ኢና። 25ሕዚ ኸዓ ንስኻ ኻብ ባላቅ ወዲ ሴፌር ንጉስ ሞኣብዶ ትበልፅ ኢኻ? ንሱ ምስ ደቂ እስራኤልዶ ተባኢሱ እዩ? ወይ ምስኣቶምዶ ተዋጊኡ እዩ? #ዘሑ. 22፡1-6። 26ደቂ እስራኤል ኣብ ሓሴቦንን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን፥ ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጦምወን እዮም። ስለ ምንታይ ደኣ በቲ ዘመን እቱይ ዘይወሰድኩምዎም? 27ኣነስ ኣይበደልኩኻን፥ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእኻ ኽፉእ ትገብረኒ ኣለኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ኣሞንን ሎሚ ይፍረድ።” 28እቲ ንጉስ ደቂ ኣሞን ግና ነቲ ዮፍታሔ ዝለኣኸሉ ቓል ኣይሰምዖን።
29ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ዮፍታሔ መፀ እሞ፥ ብገለዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብምፅጳ ናይ ገለዓድ ሓለፈ፤ ካብ ምፅጳ ናይ ገለዓድ ከዓ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ሓለፈ። 30-31ዮፍታሔ ድማ ንእግዚኣብሄር፦ “ንደቂ ኣሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፥ ካብ ደቂ ኣሞን ብደሓን ምስ ተመለስኩ፥ እቲ ኽቕበለኒ ኢሉ ኻብ ገዛይ ዝወፅእ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ገይረ ኸቕርቦ እየ” ኢሉ ተመባፅዐ።
32ሽዑ ዮፍታሔ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ናብኣቶም ገስገሰ፤ እግዚኣብሄርውን ንኣኣቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። 33ካብ ዓሮዔር ክሳዕ ሚኒት ዕስራ ኸተማታት ደምሰሰ፤ ክሳዕ ኣቤል ከራሚም ድማ ብብርቱዕ ውግእ ሰዓሮም። ደቂ ኣሞን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ።
34ዮፍታሔ ድማ ናብ ምፅጳ ናብ ገዛኡ ምስ መፀ፥ ጓሉ ብኸበሮን ብስዕስዒትን ክትቅበሎ ወፀት። ሓንቲ ንሳ ጥራሕ እያ ውላዱ፥ ብዘይ ንሳ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን። 35ንኣኣ ምስ ረአያ ኸዓ ኽዳውንቱ ቐዲዱ “ኣየ ጓለይ፥ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኣትየሉ እየ፤ ክመልሶ ኸዓ ኣይክእልን እየ እሞ፥ የመና ኣዋረድክኒ ኣጨነቕክኒ እውን” በላ። #ዘሑ. 30፡2።
36ንሳ ድማ “ኣቦይ፥ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ኣሞን ፀላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓ ኻብ ገበርካስ፥ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወፀ መብፅዓ ፈፅም። 37ግና ኻብዙይ ከይደ ናብ እምባታት እናዞርኩ ምስተን ብፆተይ ኮይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኪ ፍቐደለይ” በለቶ።
38ንሱ ኸዓ ንኽልተ ወርሒ ኽትከይድ ፈቐደላ። ሽዑ ንሳ ምስ ብፆታ ኸይዳ ኣብ እምባታት ኮይና ንድንግልናኣ በኸየት። 39እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልአ፥ ናብ ኣቦኣ ተመለሰት፤ ከምቲ ተመባፂዕዎ ዝነበረ መብፅዓኡ ድማ ፈፀመ። ንሳ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት።
40በዝ ምኽንያትዙይ እዩ ድማ ኻብቲ ጊዜ እቱይ ጀሚሩ ኣብ እስራኤል ልማድ ኮይኑ፥ ኣጓላት እስራኤል ንጓል ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ብምዝካር በብዓመቱ እናወፃ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓዘን ዝገብራላ።
Currently Selected:
መሳፍንት 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in