YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 10

10
ቶላ
1ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከዓ፥ ቶላ ወዲ ፎሖ፥ ወዲ ዱዲ፥ ካብ ነገድ ይሳኮር፥ ንእስራኤል ከድሕን ተስአ። ንሱ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ኣብ ሳምር ይቕመጥ ነበረ። 2ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፤ ሞተውን፥ ኣብ ሳምር ከዓ ተቐበረ።
ያኢር
3ድሕሪኡ ድማ ገለዓዳዊ ኢያኢር ተስአ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ። 4ንሱ ኣብ ልዕሊ ሰላሳ ኣእዱግ ዝቕመጡ፥ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፤ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማታት ከዓ ይገዝኡ ነበሩ። ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ኢያኢር ይበሃላ ኣለዋ። 5ኢያኢር ምስ ሞተ ኸዓ ኣብ ቃሞን ተቐበረ።
ዮፍታሔ
6ደቂ እስራኤል መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ግብሪ ገበሩ፤ በዓሊምን ኣስታሮትን ንዝበሃሉ ባዕዳን ኣማልኽትን፥ ከምኡውን ንኣማልኽቲ ሶርያን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ኣሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣምለኹ፤ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ፤ ናብኡ ምስጋድውን ገደፍዎ። 7ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ናብ ኢድ ደቂ ኣሞንን ከዓ ኣሕሊፉ ሃቦም። 8ንሳቶም ከዓ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ኣጨነቑዎምን ኣሳቐይዎምን። ነቶም ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ኣብታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ንዝነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ኣጨኒቖም ገዝእዎም። 9ከምኡውን ደቂ ኣሞን ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ክዋግኡ ናብ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፥ ደቂ እስራኤል የመና ጨነቖም። 10ሽዑ ደቂ እስራኤል “ንኣኻ ንኣምላኽና ሓዲግና ንኣማልኽቲ በዓሊም ኣምሊኽና ኢና እሞ፥ በዲልና ኢና” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ።
11-12እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ግብፃውያንን ኣሞራውያንን ኣሞናውያንን ፍልስጥኤማውያንን ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ኣጨነቑኹም፥ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ኻብ ኣእዳዎም ኣድሓንኩኹም። 13ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኽኩም፤ ስለዙይ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ። 14ብጊዜ መከራኹም ከድሕኑኹምስ ናብቶም ዝሓረኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ።”
15ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር “በይዛኻ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኣድሕነና እምበር፥ በዲልና ኢና፤ ንስኻ ኸምቲ ዝሐይሽ ኮይኑ ዝተርአየካ ደስ ዝበለካ ግበረና” በልዎ። 16ሽዑ ነቶም ባዕዳን ኣማልኽቲ ኻብ ማእኸሎም ኣወገዱ፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣምለኹ። እግዚኣብሄር ከዓ ንመከራ እስራኤል ክፅመም ኣይከኣለን።
17ደቂ ኣሞን ድማ ተፀዋዊዖም ክዋግኡ ኣብ ገለዓድ ሰፈሩ፤ ደቂ እስራኤልውን ተኣኪቦም ኣብ ምፅጳ ሰፈሩ። 18ሹመኛታት ህዝቢ ገለዓድ ድማ ንስንሳቶም “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ውግእ ዝጅምር ሰብኣይ መን እዩ? ንሱ ነቶም ኣብ ገለዓድ ዝነብሩ ዅሎም ሓለቓ ይኹኖም” ተበሃሃሉ።

Currently Selected:

መሳፍንት 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for መሳፍንት 10