YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 12

12
ዮፍታሔን ደቂ ኤፍሬምን
1ሰብ ኤፍሬም ድማ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ፃፎን መፁ። ንዮፍታሔ ኸዓ “እቲ ምስ ደቂ ኣሞን ክትዋጋእ ክትሓልፍ እንተለኻስ፥ ምሳኻ ኽንከይድ ንኣና ዘይፀዋዕኻና ስለ ምንታይ ኢኻ? ንገዛኻ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኽነንድዳ ኢና” በልዎ።
2ዮፍታሔ ድማ “ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ኣሞን ኣብ ብርቱዕ ፀብኢ እንተለና፥ ምስ ፀዋዕኩኹም፥ ካብ ኢዶም ኣየድሓንኩምንን። 3ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ፈለጥኩ ድማ ንህይወተይ እንተየናሕሰኹ ናብ ደቂ ኣሞን ሓለፍኩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንኣኣቶም ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ። ስለ ምንታይከ ሎሚ ኽትዋግኡኒ መፃእኹም?” በሎም።
4ዮፍታሔ ድማ ንዅሎም ሰብ ገለዓድ ኣኽቲቱ ምስ ሰብ ኤፍሬም ተዋግአ። ደቂ ኤፍሬም ከዓ፥ “ኣቱም ሰብ ገለዓድ ካብ ኤፍሬምን ካብ ምናሴን ዝኸዳዕኹም ኢኹም” ይብልዎም ነበሩ እሞ፥ እቶም ሰብ ገለዓድ ንሰብ ኤፍሬም ተዋግእዎም። 5ገለዓዳውያን ነተን ደቂ ኤፍሬም ክሳገሩለን ዝኽእሉ መሳገሪታት ፈለግ ዮርዳኖስ ሓዝወን፤ ሓደ ኻብቶም ዝሃደሙ ደቂ ኤፍሬም “ኣሕልፉኒ” እንተ በሎም፥ “ኤፍሬማዊ ዲኻ?” ኢሎም ይጥይቕዎ፤ ንሱ ኣይፋለይን እንተበለ ኸዓ፥ 6ንሳቶም “እስኪ ‘ሺቦለት’ በል” በልዎ። ንሱ ኸዓ ኸምኡ ኣፅርዩ ምዝራብ ስለ ዘይኽእል “ሲቦለት” በለ፤ ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓረድዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ኻብ ሰብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ተቐተሉ።
7ዮፍታሔ ድማ ንእስራኤል ሽዱሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕሪዙይ እቲ ገለዓዳዊ ዮፍታሔ ሞተ፤ ካብ ከተማታት ገለዓድ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ድማ ተቐበረ።
ኢብፃን፥ ኤሎን፥ ዓብዶን
8ድሕሪ ዮፍታሔ ኸዓ ኢብፃን በዓል ቤተ ልሔም ንእስራኤል ፈራዲ ኾነ። 9ንሱ ሰላሳ ኣወዳትን ሰላሳ ኣጓላትን ነበርዎ፤ ነቶም ኣወዳቱ ኻብ ዘይዓሌቱ ኣጓላት ኣምፅአሎም። ከምኡውን ነተን ኣጓላቱ ናብ ዘይዓሌቱ ሃበን። ንደቂ እስራኤል ከዓ ሸውዓተ ዓመት ፈረዶም። 10ኢብፃን ሞተ፤ ኣብ ቤተ ልሔም ድማ ተቐበረ።
11ብድሕሪኡ ኸዓ ኤሎን ዛብሎናዊ ዓሰርተ ዓመት ንደቂ እስራኤል ፈረደ። 12ኤሎንውን ሞተ፤ ኣብ ኤሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ድማ ተቐበረ።
13ድሕሪኡ ድማ ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶን፥ ንእስራኤል መርሖም። 14ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብዓ ኣእዱግ ዝቕመጡ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደቂ ደቅን ነበርዎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ሸሞንተ ዓመት ፈረደ። 15ዓብዶን፥ ወዲ ሂሌል በዓል ጲርዓቶንውን ሞተ፤ ኣብ ጲርዓቶን ምድሪ ኤፍሬም፥ ኣብ ኰረብታታት ኣማሌቃውያን ድማ ተቐበረ።

Currently Selected:

መሳፍንት 12: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for መሳፍንት 12