ኢሳይያስ መእተዊ
መእተዊ
ትንቢት ኢሳይያስ፥ ብስም እቲ ብሻምናይ ዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረ ዓብዪ ነቢይ ዝፅዋዕ መፅሓፍ እዩ። እዝ መፅሓፍ እዙይ ኣብ ሰለስተ ዋና ዋና ኽፍልታት ይኽፈል፦
1. ካብ ምዕራፍ 1 ክሳዕ 39 ንይሁዳ፥ ደቡባዊት መንግስቲ፥ በታ ሓያል ጐረቤት ዝኾነት መንግስቲ ኣሶር ወራርን ጥፍኣትን ከም ዝወድቃ ይነግር። ኢሳይያስ፥ እቲ ጥፍኣት ካብ ብርታዐ መንግስቲ ኣሶር ዘይኮነስ፥ ህዝቢ ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘይተኣዘዙን፥ ኣብ እግዚኣብሄር እምነት ስለ ዘጕደሉን ከም ዝኾነ ረአየ። እቲ ነቢይ ንፁር ብዝኾነ ቓላት ገይሩ፥ ህዝብን መራሕቶምን ናብቲ ፅድቅን ፍትሕን ዝመልኦ ናብራ ኽምለሱ ይፅውዖም። ከምኡውን ንእግዚኣብሄር ዘይምስማዕ ጥፍኣትን ዕንወትን ከም ዘስዕብ የጠንቅቖም። ኣብ ልዕልዙይ ድማ፥ ኢሳይያስ ኣብ ምሉእ ዓለም ሰላም ከም ዝወርድን፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ብቕንዕና ዝነግስ ንጉስ ከም ዝመፅእን ኣቐዲሙ ተነበየ።
2. ካብ ምዕራፍ 40 ክሳዕ 55 መብዛሕትኦም ህዝቢ ይሁዳ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከም ዝውሰዱ፥ ኣብኡ ድማ ስቓይን ቀቢፀ ተስፋን ከም ዝበፅሖም ዝገልፅ እዩ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብ ምርኮ ሓራ ኸም ዘውፅኦምን ኣብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ከዓ ሓድሽ ህይወት ከም ዝጅምሩን፥ እቲ ነቢይ ይዛረብ። ኣውራ ትሕዝቶ ናይዘን ምዕራፋት እዚኣተን፥ እግዚኣብሄር ጐይታ ህይወት ምዃኑን፥ ህዝቡ ናብ ኵላ ምድሪ ተልኢኾም፥ ንኣህዛብ ብእስራኤል ኣቢሉ በረኸት ከም ዝበፅሖም ምግባር፥ ፈቓድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነን እዩ።
3. ካብ ምዕራፍ 56 ክሳዕ 66 ነቶም ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ዝነበሩ፥ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ተስፋ ኸም ዝፍፅሞ የረጋግፀሎም። ብዛዕባ ፅድቅን ፍትሕን፥ ምኽባር መዓልቲ ሰንበትን፥ ምቕራብ መስዋእትን ምዝውታር ፀሎትን እናገለፀ፥ ህዝቢ እንተይዘንግዐ ናብኡ ምእንቲ ኸቕልብ ይምዕድ።
ኣብ ምዕራፍ 61፡1-2 ኢየሱስ፥ ትምህርቱ እንትጅምር ከም መረድኢ ዝጠቐሰን ቃላት ይርከባ።
ትሕዝቶ
1. ስምዕታን ተስፋን 1፡1-12፡6
2. መቕፃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ 13፡1-23፡18
3. ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዓለም 24፡1-27፡13
4. ካልእ ስምዕታን ተስፋን 28፡1-35፡10
5. ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኣሶራውያንን 36፡1-39፡8
6. ቃል ተስፋ 40፡1-55፡13
7. ስምዕታን ተስፋን 56፡1-66፡24
Currently Selected:
ኢሳይያስ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in