መሃልየ 8
8
1ንስኻ ኣበይሞ ጡብ ወላዲተይ ከም ዝጠበወ፥
ከም ሓወይ እንተ እትኾነለይ!
ኣብ ወፃኢ እንትረኽበካ ምሰዓምኩኻ ነይረ፤
ሓደ እኳ ኣይምነዓቐንን ነይሩ።
2መሪሐ ናብ ቤት እኖይ መእተኹኻ፤
ኣብኡ ኸዓ ንስኻ ምመሃርካኒ፤
ኣነውን ካብ ዝተፀምቈ ጥዑም ወይነይን፥
ካብ ማይ ሮማነይን መስተኹኻ ነይረ።
3ፀጋመይቲ ኢዱ ምተተርኣስኩ፤
የማነይቱ ኸዓ ምሓቘፈትኒ ነይራ።
4ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥
ፍቱወይ ክሳዕ ዝደሊ፥
ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን
ኣምሕለክን ኣለኹ።
ሻድሻይ መዝሙር
5እዛ፥ ፈታዊኣ ተደጊፋ፥
ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ?
ኣብ ትሕቲ ኦም ምልዖ ኣንቃሕኹኻ፤
ኣብኡ እኖኻ ንኣኻ ኽትሓርስ ተፅዓረት፤
ኣብኡ እኖኻ ወለደትካ።
6ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፤
ቅንኣትውን ከም ሲኦል ጨካን እዩ፤
ረስና ኸም ሓዊ፥
ከም ሃልሃልታ ሓዊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥
ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፥
ከም ማዕተብ ኣብ ቅልፅምካ ኣንብረኒ።
7ንፍቕርስ ብዙሕ ማይ እኳ ኸጥፍኣ ኣይኽእልን፤
ወሓይዝውን ኣየስጥሙዋን፤
ሰብ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ፥
ኵሉ ጥሪት ቤቱ እንተ ዝህብ፥
ፈፂሞም ምነዓቕዎ።
ኣሕዋት ፍቕርተይ
8ጡብ ዘይብላ ንእሽተይ ሓፍቲ ኣላትና፤
ብዛዕባኣ ዝናገሩላ መዓልቲ፥
ንሓፍትና እንታይ ንግበረላ?
9ንሳ ቕፅሪ እንተ ኾነት፥
ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ብሩር ክንሰርሐላ ኢና፥
ኣፍ ደገ እንተ ኾነት ከዓ፥
ብፅሩብ ፅሕዲ ኽንከባ ኢና።
10ኣነ ቕፅሪ እየ፤
ኣጥባተይ ከዓ ኸም ግንቢ እየን፤
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሰላም ከም እትረክብ ኮንኩ።
11ንሰሎሞን ኣብ ብኤላሞን፥
ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ፤
ነዝ ኣታኽልቲ ወይኒ እዙይ፥
ፍረኡ ንዝሕልዉ ብኽራይ ሃቦም፤
ኵሉ ሰብ ከዓ ኽንዲ ፍረኡ፥
ሽሕ ቅርሺ ብሩር የምፅአሉ ነበረ።
12ናተይ ዝኾነ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እዩ፤
ኦ ሰሎሞን፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ንኣኻ፥
ክልተ ሚእቲ ድማ ፍረኡ ንዝሕልዉ ይኹን።
13ኣቲ ኣብ ቦታ ኣታኽልትታት እትነብሪ ፍቕርተይ፥
እቶም ብፆተይ ንድምፅኺ የዳምፁ ኣለዉ እሞ፥
ድምፅኺ ኣስምዕኒ።
14ኣታ ፍቱወይ፥ ቀልጥፍ፤
ኣብቲ ምዑዝ ቀመም ዝበቝሎ እምባታት፥
ከም ሜዳቝ ወይ ከም ወጠጦ ሰስሓ ምሰል።
Currently Selected:
መሃልየ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in