ኢሳይያስ 61
61
ዓመት ፀጋ እግዚኣብሄር
1 #
ማቴ. 11፡5፥ ሉቃ. 7፡22። ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤
ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥
እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ።
ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥
ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥
ክእውጅ ለኣኸኒ።
2 #
ሉቃ. 4፡18-19። ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥
ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥
ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
3“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ”
ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥
ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥
ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥
ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥
ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥
ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
4ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንፁ፥
ነቲ ቐደም ዝባደመ ኸቑሙ፥
ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝፈረሳ ኸተማታት፥
ክሕድሱ እዮም።
5ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሰታትኩም ክጓስዩ፥
መፃእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን፥
ተኸናኸንቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ክኾኑ እዮም።
6ንስኻትኩም ግና “ካህናት እግዚኣብሄር”
ተብሂልኩም፥ ክትስመዩ ኢኹም፤
ሰብ ከዓ “ኣገልገልቲ ኣምላኽና” ኽብለኩም እዩ፤
ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ፥
ብኽብሮም ድማ ኽትከብሩ ኢኹም።
7ክንዲ ነውርኹም፥ ካዕበት ክትቅበሉ፥
ክንዲ ፀርፍኹም፥
ብዕድልኩም ክትሕጐሱ ኢኹም።
ስለዙይ ኣብ ሃገሮም ክልተ ዕፅፊ ኽገዝኡ፥
ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኽረኽቡ እዮም።
8“ኣነ እግዚኣብሄር ፍርዲ ዝፈቱ፥
ስርቅን በደልን ዝፀልእ እየ፤
ፍዳኦም ብሓቂ ኽፈድዮም፥
ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ምስኣቶም ክገብር እየ።
9ዘርኣቶም፥ ኣብ ኣህዛብ፥
ትውልዶም ከዓ፥
ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ክኸውን እዩ፤
እቶም ዝርኢዎም ዅሎም፥
እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም፥
ክፈልጡ እዮም።”
10 #
ራእይ 21፡2። ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥
ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥
እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥
ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥
ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥
ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
11 #
ኢሳ. 40፡10፥ ራእይ 22፡12። ምድሪ በቝሊ ኸም እተብቍል፥
ገነትውን ዘርኡ ኸም ዘብቍል፥
ከምኡ ጐይታ እግዚኣብሄር ድማ፥
ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥
ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 61: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in