ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤
ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥
እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ።
ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥
ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥
ክእውጅ ለኣኸኒ።
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥
ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥
ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ”
ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥
ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥
ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥
ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥
ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥
ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።