YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 56

56
ኵሎም ኣህዛብ ህዝቢ ኣምላኽ ክኾኑ እዮም
1እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምድሓነይ ቀሪቡ እዩ፤ ፅድቀይውን ቀልጢፉ ኽግለፅ እዩሞ፥ 2ፍትሒ ሓልዉ፤ ፅድቅውን ግበሩ። እቲ ነዙይ ዝገብር ሰብ ብእኡውን ዝፀንዕ፥ ከየርክስ ንሰንበት ዝሕሉ፥ ክፍኣት ከይገብር ኢዱ ዝሕሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”
3ናብ እግዚኣብሄር ዝተፀግዐ መፃእተኛ “ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኽፈልየኒ እዩ” ኣይበል፤ እቲ ስሉብውን “ኣነ ንቑፅ ኦም እየ” ኣይበል።
4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰናብተይ ንዝሕሉዉን፥ ንኣይ ዘሐጕስ ንዝመርፁን፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕልዉ ስሉባት፥ 5ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።”
6“ንእኡ ንምግልጋል፥ ስም እግዚኣብሄር ብምፍታው፥ ባሮቱ ክኾኑ ኢሎም፥ ርእሶም ናብ እግዚኣብሄር ዘፀግዑ መፃእተኛታት፥ ንሰንበት ከየርከሱ ዝሕልዉ፥ 7ቃል ኪዳነይውን ንዝሕዙ ዅላቶም፥ ናብቲ ዝተቐደሰ እምባይ ከምፅኦም እየ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ፀሎተይውን ከሐጕሶም እየ፤ ዝቃፀል መስዋእቶምን ካልኦት መስዋእትታቶምን ኣብ መሰውእየይ እንተ ሰውኡ ኽቕበሎም እየ፤ ቤተይ ንዅሎም ህዝብታት ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩሞ።”
8እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”
መራሕቲ እስራኤል ከም ዝተነቕፉ
9“ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤ 10ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም። 11የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ። 12‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 56: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in