“ንእኡ ንምግልጋል፥ ስም እግዚኣብሄር ብምፍታው፥ ባሮቱ ክኾኑ ኢሎም፥ ርእሶም ናብ እግዚኣብሄር ዘፀግዑ መፃእተኛታት፥ ንሰንበት ከየርከሱ ዝሕልዉ፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕዙ ዅላቶም፥ ናብቲ ዝተቐደሰ እምባይ ከምፅኦም እየ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ፀሎተይውን ከሐጕሶም እየ፤ ዝቃፀል መስዋእቶምን ካልኦት መስዋእትታቶምን ኣብ መሰውእየይ እንተ ሰውኡ ኽቕበሎም እየ፤ ቤተይ ንዅሎም ህዝብታት ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩሞ።”