ኢሳይያስ 57
57
ኣምልኾ ጣዖት እስራኤል ከም ዝተነቕፈ
1ፃድቕ ይመውት፥ ግና ነቲ ነገር ብልቡ ዘስተውዕሎ የለን፤ ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ይውሰዱ፤ ፃድቃን ካብ ክፉእ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸም ዝውሰዱ፥ ዘስተብህል የለን። 2ናብ ሰላም ይኣቱ፤ እቶም ብቕንዕና ዝነብሩ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ።
3ኣቱም ደቂ እታ ኣስማተኛን፥ ዘርኢ ዘማውን፥ ኣመንዝራን፥ ናብዙይ ቅረቡ። 4ንመን ኢኹም እተባጭዉሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም እትኸፍቱ? ንስኻትኩም ደቂ ዓመፅትን ዘርኢ ሓሰውትንዶ ኣይኮንኩምን? 5ኣብ ልዕሊ መንከ ኢኹም መልሓስኩም እተንውሑ? ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኦም፥ ንጣዖታት እትብህጉ ዘመውቲ፥ ንደቅኹም ድማ ኣብ ትሕቲ ሽንጥሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን ሓሪድኩም እትስውኡ፥ ደቂ ዓመፅን ሓሰትንዶ ኣይኮንኩምን? 6ልሙፃት ኣእማን ግደኺ እዮም፤ ንሳቶም ብፅሒትኪ እዮም፤ ንኣኣቶም መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሎም፤ መስዋእቲ ብልዒውን ኣቕረብክሎም። እሞኸ በዝ ነገር እዙይዶ ኣይቍጣዕን? 7ኣብ ልዕል ዝበለን፥ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባን፥ ዓራትኪ ኣንፀፍኪ፤ ኣብኡ ድማ ንጣዖት መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርቢ ደየብኪ። 8ኣብ ድሕሪ ማዕፆን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፤ ንኣይ ሓዲግኪ ንኻልእ ተቐላዕኺ፤ ንመደቀሲኺውን ወፂእኺ ኣግፋሕኽዮ፤ ምስኣቶም ድማ ኺዳን ኣተኺ፤ ኣብ ኵሉ ዝረአኽዮ ቦታ፥ መደቀሲኦም ፈተኺ። 9ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፤ ሽቱውን ኣብዛሕኺ፤ ልኡኻትኪውን ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፤ ክሳዕ ሲኦልውን ተዋረድኪ። 10ብምብዛሕ መንገዲውን ደኸምኪ፤ ግና ተስፋ ኣይቈረፅክን፤ ምሕዳስ ጕልበት ረኸብኪ፤ ስለዙይ ድማ ኣይሰልከኽን።
11“ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን። 12እምበኣር ኣነስ ፅድቅኽን ስራሕኽን ክነግር እየ፤ ግና ኣይጠቕመክን እዩ። 13ኣብ እተእውዪሉ ጊዜ እቶም ዝኣከብክዮም የድሕኑኺ! ግና ንዅላቶም ንፋስ ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ መሸምቦባውን ክበታትኖም እዩ። እቲ ነኣይ መዕቘቢኡ ዝገበረ ግና፥ ነታ ምድሪ ኽገዝኣ፥ ንዝተቐደሰ እምባይውን ክወርስ እዩ።”
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ረድኤትን ፈውስን ክህብ ከም ዘተስፈወ
14“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።
15“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር። 16ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን። 17ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ።
18“መንገድታቱ ሪአ ኣለኹ፤ ግና ኸሕውዮን ክመርሖን እየ። ንእኡን ብዛዕባኡ ንዝበኽዩን ድማ፥ ምፅንናዕ ክመልሰሎም እየ። 19#ኤፌ. 2፡17። ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፤ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ንዘለዉ ሰላም፥ ሰላም ይኹን፤ ኣነ ኸሕውዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 20እቶም ክፉኣት ግና፥ ከምቲ ዝናወፅ ባሕሪ እዮም፤ ክሃድእ ኣይኽእልን እዩሞ፤ ማያቱውን ጭቃን ርስሓትን የውፅእ እዩሞ። 21#ኢሳ. 48፡22። ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 57: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in