ኢሳይያስ 47
47
ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን
1“ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ፤
ኣብ ሓመድ ከዓ ተቐመጢ፤
ደጊም ምልክዕትን ሕንቅቕትን፥
ኣይትበሃሊን ኢኽሞ፥
ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥
ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።
2መዲድ ሓዚ እሞ፥ ሕሩጭ ጠሓኒ፤
ጕልባብኪ ቕልዒ፤
ነቲ ወለል ዝብል ዘፈር ክዳንኪ ኣክቢ፤
ደናጉኺ ቐሊዕኺ ፈለግ ተሳገሪ።
3ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤
ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”
4ስም እቲ ተቤዛዊና፥
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
5“ኣቲ ባቢሎን፥
ድሕሪ ደጊም ኢተገ መንግስታት፥
ኣይትበሃሊን ኢኺ እሞ፥
ኣብ ፀልማት ኣቲኺ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ።
6ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤
ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤
ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤
ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤
እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥
ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።
7ነዙይ ኣብ ልብኺ እንተየንበርኪ፥
ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ኽመፅእ ዘለዎውን እንተይሓሰብኪ፥
‘ኣነስ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ኾይነ ኽነብር እየ’ በልኪ።”
8“እምበኣርከስ ኣቲ ሕንቅቕቲ፥
ብልብኺ ‘ኣነ ጥራሕ እየ እምበር፥
ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን፤
ኣነስ መበለት ኣይኸውንን እየ፤
ውሉድ ድማ ኣይስእንን እየ’
እትብሊ ነውራም ነዙይ ስምዒ።
9 #
ራእይ 18፡7-8። ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥
ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥
ድንገት ክመፃኺ እየን።
ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥
ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥
ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”
10“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥
‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤
ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤
ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥
ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።
11ብምክንያት እዙይ፥ ክፉእ ነገር ክመፀኪ እዩ፤
በስማትኪ ኽተርሕቕዮ ዘይትኽእሊ፥
መከራ ኽወርደኪ እዩ፤
ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ፥
ድንገት ክመፀኪ እዩ።
12ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፤
ምናልባሽውን ንፀላእትኺ እንተ ኣደንገፅክሉስ፥
ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ፥
ዘዘውተርክዮ ጥንቈላኽን
ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ።
13ኵሉ ዝተመኸርክዮ ምኽሪ፥
መድከሚ ጥራሕ ኮነኪ፤
እቶም ፈላጣት ምልክት ሰማይን፥
እቶም ቈፀርቲ ኸዋኽብትን፥
እቶም ነቲ ኣብ ሰርቂ ወርሒ ዝረኽበኪ ዝነግሩኽን፥
ይተስኡ እሞ እስኪ የድሕኑኺ።”
14“እንሆ፥ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፤
ሓዊ ኸዓ ኸቃፅሎም እዩ፤
ካብቲ ሓይሊ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተልዓለ፥
ንርእሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን፤
እቲ ሓዊ ንሱ ሰብ ዝሞቖ ጓህሪ፥
ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን።
15 #
ኢሳ. 13፡1—14፡23፥ ኤር. 50፡1—51፡64። ኵሉ ዕድል እቶም ዝደኸምክሎም፥
ከምዙይ ክኸውን እዩ፦
እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም፥
መናግድትኺ ዝነበሩ፥
ነናብ መንገዶም ፋሕ ክብሉ እዮም፤
ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 47: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in