ኢሳይያስ 48
48
እግዚኣብሄር መፃኢ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ
1ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥
ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥
ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥
ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥
ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።
2ብስም ተቐማጦ እታ ቕድስቲ ኸተማ ዝተፀዋዕኹም፥
ስሙውን ጐይታ ሰራዊት ብዝብሃል ኣምላኽ እስራኤል እትድገፉ፥
ቤት ያእቆብ ነዙይ ስምዑ።
3እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል፥
ከምዙይ ይብሎም ኣሎ፦
ነቶም ዝሓለፉ ነገራት ቅድሚ ምዃኖም ነገርኩ፤
ካብ ኣፈይ ስለ ዝወፀ ኸም ዝፍለጡ ገይረ፥
ብድንገት ገበርኩዎ፤ ተፈፀሙውን።
4ህልኸኛ ምዃንካ፥
ክሳድካ ኸም ጅማት ሓፂን፥
ግምባርካውን ከም ነሃስ ምዃኑ፥
እፈልጥ እየ እሞ፥
5ስለዙይ ጣዖትና እዩ ዝገበሮ፤
እቲ ፅሩብን ፍሱስን ምስልና እዩ ዝኣዘዞ ኸይትብልስ፥
ኣቐዲመ ነገርኩኻ፤
እንተይኮነውን ኣፍለጥኩኻ።
6ነዙይ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ነዝ ዅሉ ረአዮ፤
ንስኻትኩምውን እትናገርዎዶ ኣይኮንኩምን?
ዝተሰወሩን ዘይፈለጥካዮም ሓደስቲ ነገራትን፥
ካብ ሎሚ ጀሚረ ኣርእየካ ኣለኹ።
7ንስኻ “ነዙይስ እፈልጦ ነይረ” ምእንቲ ኸይትብል፥
ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረ ነገር ከስምዐካ እየ።
8ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤
እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤
እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ
ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥
ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
9ስለ ስመይ ኢለ፥ ንቝጥዓይ ከደንጕዮ እየ፤
ከየጥፍአካውን ምእንቲ ምስጋናይ ኢለ፥
ክዕገስ እየ።
10ከም ብሩር ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ኣምከኽኩኻ፤
ብመከራ እቶን ፈተንኩኻ።
11ንባዕለይ ኢለ፥ ምእንቲ ርእሰይ ኢለ ኽገብሮ እየ፤
ከመይ ኢለኸ ስመይ እንትንቀፍ ስቕ ክብል?
ክብረይውን ንኻልእ ኣይህብን እየ።
ቂሮስ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ መራሒ
12 #
ኢሳ. 44፡6፥ ራእይ 1፡17፥ 22፡13። ኣታ ያእቆብ፥ ዝፀዋዕኹኻ ንስኻ፥
እስራኤልውን ስምዐኒ፤
እግዚኣብሄር ኣነስ ኣነ እየ፤
ቀዳማይ ኣነ እየ፤
ዳሕረዋይውን ኣነ እየ።
13ኢደይ ንምድሪ ሰረተታ፤
የማነይተይውን ንሰማይ ዘርግሐት፤
እንትፅውዖም ከዓ ብሓደ ይቖሙ።
14ኵልኻትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፤
ካብኣቶም እዙይ ዝገበረ መን እዩ?
እግዚኣብሄር እቲ ዝፈተዎ ፍቓዱ፥
ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍፅም እዩ፤
ቅልፅሙውን ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ።
15ኣነ፥ ኣነ ባዕለይ ተናጊረ ኣለኹ፤
ኣነ ፀዊዐዮ ኣለኹ፤
ኣምፂአዮውን ኣለኹ፤
መንገዱውን ክትቃነዐሉ እያ።
16ናባይ ቅረቡ፤ እዙይ ስምዑ፤
ኣነ ካብ መጀመርታ ሒዘ፥
ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፤
ካብቲ ዝኾነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣለኹ፤
ሕዚ እውን ጐይታ እግዚኣብሄርን መንፈሱን ለኣኸኒ።
መደብ እግዚኣብሄር
17እግዚኣብሄር፥ እቲ ተቤዛዊኻ
ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ዝጠቕመካ ነገር ዝምህረካን፥
በታ እትኸደላ መንገዲ ዝመርሐካን፥
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
18ኣየ፥ ትእዛዛተይ ሰሚዕኻ እንተ እትኸውን ኔርኻ፥
ሰላምካ ኸም ወሓዚ ሩባ፥
ፅድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ።
19ዘርእኻ ኸም ሑፃ፥ ፍረ ኸርስኻውን፥
ከም በነንታ ምድሪ ምኾነ ነይሩ፤
ስሙውን ፈፂሙ ኣይምጠፍአን፥
ካብ ቅድመይውን ኣይምተደምሰሰን።
20 #
ራእይ 18፡4። ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤
እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤
ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።
21እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብምድረ በዳ፥
ክመርሖም እንተሎ ኣይፀምኡን፤
ማይ ካብ ኰዅሒ ኣውሓዘሎም፤
ኰዅሒ ሰንጢቑውን ኣፍለቐሎም።
22 #
ኢሳ. 57፡21። “ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን”
ይብል እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 48: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in