ኢሳይያስ 42
42
ቀዳማይ መዝሙር ባርያ እግዚኣብሄር
1“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥
ኣነ ዝሓረኽዎ፥
ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥
መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤
ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።
2ኣይደምፅን፤ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥
ኣብ ኣደባባይ ኣየስምዕን።
3ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን፥
ዝትኪ ፈትሊ ጧፍውን ኣየጥፍእን፤
ብሓቂ ፍትሒ ኸውፅእ እዩ።
4 #
ማቴ. 3፡17፥ 17፡5፥ 12፡18-21፥ ማር. 1፡11፥ ሉቃ. 3፡22፥ 9፡35። ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥
ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤
ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”
5 #
ግ.ሓ. 17፡24-25። እቲ ንሰማይ ዝፈጠሮን ዝዘርግሖን፥
ንምድርን ኣብ ውሽጣ ንዘሎን ዘፅንዐ፥
ነቲ ኣብኣተን ዘሎ ህዝቢ እስትንፋስ ዝሃበ፥
ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ድማ መንፈስ ዝሃበ፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
6 #
ኢሳ. 49፡6፥ ሉቃ. 2፡32፥ ግ.ሓ. 13፡47፥ 26፡23። “ኣነ እግዚኣብሄር ብፅድቂ ፀዋዕኹኻ፤
ኢድካ ኽሕዝ እየ፤ ክሕልወካውን እየ፤
ንህዝቢ ቓል ኪዳን፥
ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ።
7ንስኻ ኸዓ ኣዒንቲ ዕዉራት ክትከፍት፥
ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፥
ነቶም ኣብ ፀልማት ዝነብሩ ኸዓ ኻብ
ማእሰርቶም ክተውፅኦም ኢኻ።”
8“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤
ስመይውን እዙይ እዩ።
ክብረይ ንኻልእ፥
ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን።
9እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤
ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤
ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”
መዝሙር ምስጋና
10ኣቱም ናብ ባሕሪ እትወርዱን፥
ኣብ ውሽጣ ዘለኹም ኵልኻትኩምን፥
ኣትን ደሴታትን ኣብኣተን እትነብሩን፥
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፥
ምስጋናኡውን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ።
11በረኻን ከተማታቱን፥
ህዝቢ ቄዳር ዝነብርወን ቁሸታትን፥
ድምፆም ልዕል የብሉ፤
እቶም ኣብ ሴላ ዝነብሩ ዕልል ይበሉ፤
ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይኖም ድማ፥
ድምፂ የስምዑ።
12ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ፤
ምስጋናኡውን ኣብ ደሴታት ይናገሩ።
13እግዚኣብሄር ከም ሓያል ይወፅእ፤
ከም ተዋጋኢ ድማ ብቕንኣት ይለዓል፤
ይፍክርን ይዝምርን፤
ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኸዓ ይብርትዕ።
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽረድኦም ከም ዘተስፈዎም
14“ካብ ቀደም ጀሚረ ስቕ ኢለ ኣለኹ፤
ስቕ ኢለውን ተዓጊሰ ኣለኹ፤
ሕዚ ግና ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥
ዓው ኢለ ድምፂ አስምዕ ኣለኹ፤
ብእህታ ብምንኣኽውን አተንፍስ ኣለኹ።
15ንእምባታትን ኰረብታታትን ከባድሞም፥
ንዅሉ በቝልታቶምውን ከንቅፆ እየ፤
ንሩባታት፥ ደሴታት ክገብሮም እየ፤
ንዒላታትውን፥ ከንፅፎም እየ።”
16“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤
ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤
ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤
ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ።
እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
17እቶም ብቕርፂ ምስልታት ዝእመኑ፥
ንምስልታት ፍሲ ኸዓ፥
‘ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም’ ዝብልዎም፥
ንድሕሪት ክምለሱ እዮም፤
የመና ድማ ኽሓፍሩ እዮም።”
ድንቍርና እስራኤል
18“ኣቱም ፀማማት፥ ስምዑ!
ኣቱም ዕዉራትውን፥
ምእንቲ ኽትሪኡስ ጠምቱ!
19እንትርፊ ባርያይ፥ ዕዉር መን እዩ?
ከምቲ ዝልእኾ ልኡኸይ፥ ፀማምከ መን እዩ?
ከም ፈታዊየይ ዕዉር፥
ከም ባርያ እግዚኣብሄር ዕዉር መን እዩ?
20ብዙሕ ነገር ረአኹም፤ ግና ኣየስተውዓልኩምን፤
ኣእዛንኩም ክፉታት እየን፤
ግና ሓደ እኳ ኣይትሰምዑን።”
21እግዚኣብሄር፥ ስለ ፅድቁ ኢሉ፥
ንሕጉ ዝዓበየን ዝኸበረን ክገብሮ ደለየ፤
22ግና እዝ ህዝቢ እዙይ፥
ዝተወረረን ዝተዘመተን እዩ፤
ኵላቶም ኣብ በዓቲ ተፃወዱ፤
ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ተዳጐኑ፤
ንዘመተ ተወፈዩ፤ መናገፊ ኸዓ የለን፤
ተማረኹ፤ “ምለስ” ዝብል ድማ የለን።
23ካባኻትኩም ነዙይ ፅን ዝብሎ መን እዩ?
ንሓዋሩ ኢሉ፥
ብምስትውዓል ዝሰምዖኸ መን እዩ?
24ንያእቆብ ንወራር፥ ንእስራኤል ድማ፥
ንዘመተ ዝሃበ መን እዩ?
እቲ ብመንገዱ ኽመላለሱ ዘይደለዩ፥
ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፥
ንሕናውን ዝበደልናዮ፥ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?
25ስለዙይ ቍጥዓ መዓቱን፥
ብርቱዕ ውግእን ኣፍሰሰሉ፤
ኣብ ዙርያኡ ኣንደዶ፥ ንሱ ግና ኣይፈለጠን፤
ኣቃፀሎ፥ ንሱ ግና ኣየስተውዓለን።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 42: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in