ኢሳይያስ 41
41
ሓጋዚ እስራኤል
1“ኣቱም ደሴታት፥ ኣብ ቅድመይ ስቕ በሉ፤
ኣህዛብ ከዓ ሓይሎም ይሓድሱ፤
ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፤
ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ።”
2“ካብ ምብራቕ ንሓደ ዘልዓሎ፥
ብፅድቂውን ናብ እግሩ ዝፀውዖ መን እዩ?
ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፉ ሃቦ፤
ንነገስታትውን ኣግዘአሉ፤
ንሰይፉ ኸም በነንታ፥ ንቐስቱ ኸዓ፥
ንፋስ ከም ዝብትኖ ብቝቡቕ ገይሩ ሃቦም።
3ሰጐጎም፤ እግሩውን ቀደም ረጊፅዎ ብዘይፈልጥ፥
መንገዲ ብድሕንነት ይሓልፍ።
4ነዙይ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ?
እቲ ንትውልዲታት፥
ካብ ጥንቲ ዝፀውዐኸ መን እዩ?
ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን፥
ምስቶም ዳሕረዎትውን ዝነብር ኣነ እየ።”
5“ደሴታት ሪኦም ፈርሑ፤
ወሰናት ምድሪ ተንቀጥቀጡ፤
ቀረቡ፤ በፅሑውን።
6ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ይሕግዝ ነበረ፤
ንሓዉውን ‘ኣይዞኻ’ ይብሎ ነበረ።
7እቲ ሃናፂ ነቲ ኣንጠረኛ የፋጥኖ፤
በያዲ ኸዓ ነቲ ኣብ ወፀቓ ዝቕጥቕጥ ብናይ ምጥባቑ፥
‘ፅቡቕ እዩ’ እናበለ የበረታትዖ፤
ከይነቓነቕ ከዓ ብሽንካር የፅንዖ።”
8 #
2 ዜና. 20፡7፥ ያቆ. 2፡23። “ኣታ እስራኤል ባርያይ!
ኣታ ያእቆብ ዝሓረኹኻ!
ዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊየይ!
9ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምፃእኹኻ፥
ካብቲ የመና ርሑቕ ፀዊዐ ‘ባርያይ ኢኻ፤
ሓርየካ ኣለኹ፥ ኣይሓድገካን’ ዝበልኩኻ፥
10ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤
ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤
ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤
ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
11እንሆ፥ ኵሎም እቶም ዝቝጥዑኻ፥
ክዋረዱን ክሓፍሩን እዮም፤
መፃርርትኻ ድማ፥ ከም ዘይነበሩ ክኾኑን ክጠፍኡን እዮም።
12ነቶም ዝበኣሱኻ ኽትደልዮም ኢኻ፥
ግና ኣይትረኽቦምን፤
እቶም ዝዋግኡኻ ድማ፥
ከንቱን ከም ዘይነበሩን ክኾኑ እዮም።
13ንየማነይቲ ኢድካ ሒዘ፥
‘ክድግፈካ እየ’ ዝብለካ፥
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየሞ ኣይትፍራሕ።”
14እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥
ኣቱም ሰብ እስራኤል፥
ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤
ይብል እግዚኣብሄር፤
ተቤዛዊኹም ድማ፥
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
15እንሆ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ መኼዳ ገይረካ ኣለኹ፤
ንእምባታት ክሳዕ ዝድቈሱ ኽተኺዶም ኢኻ፤
ንዀረብታታት ከዓ፥
ከም ብቝቡቝ ኽትገብሮም ኢኻ።
16ክተዝርዎም ኢኻ፤ ንፋስ ከዓ ኽወስዶም፥
ንፋስ ኣውሎውን ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤
ንስኻውን ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፥
ብናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኽትምካሕ ኢኻ።
17ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥
ግና ኣይረኽቡን፥
መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤
ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ፤
ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ።
18ኣብቶም ዝባደሙ ዀረብታታት ውሕጅ፥
ዓይኒ ማያት ከዓ፥
ኣብ ማእኸል ስንጭሮታት ከውሕዝ እየ፤
ንምድረ በዳ፥ ማይ ዝመልኦ ቓላይ፥
ንምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ።
19ኣብ ምድረ በዳ፥
ዝግባን መሞናን ፀፆን ኣውሊዕን ከብቍል፥
ኣብቲ ኣፃምእ ከዓ፥
ፅሕድን ኦም ሊባኖስን ዝግባን ብሓባር ክተክል እየ።
20ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ነዝ ኵሉ ኸም ዝገበረት፥
ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ነዙይ ከም ዝፈጠሮ፥
ሰባት ክሪኡን ክፈልጡን ክሓስቡን፥
ሓቢሮም ከስተውዕሉን እዮም።”
እግዚኣብሄር ሓሰውቲ ኣማልኽቲ ይቃወም
21“ክስኹም ኣቕርቡ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤
መርትዖኹም ከዓ ኣምፅኡ፤
ይብል እቲ ናይ ያእቆብ ንጉስ።
22ይምፅኡ፥ ነቲ ዝኸውንውን ይንገሩና፤
ልቢ ኽንገብር መወዳእታኡውን ክንፈልጥ፥
እቶም ዝቐደሙ ነገራት፥
እንታይ ከም ዝኾኑ ተናገሩ፤
እቶም ዝመፁውን ኣርእዩና።
23ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፥
ነቲ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ንገሩና።
ርኢና፥ ሓቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸዓ፥
እስኪ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ግበሩ።
24እንሆ፥ ንስኻትኩም ከም ዘይነበርኩም ኢኹም፤
ተግባርኩም ከዓ ብላሽ እዩ፤
እቲ ዝሓረየኩም ድማ ዘፀይፍ እዩ።”
25“ካብ ሰሜን ንሓደ ኣተሳእኽዎ፤ መፀውን፤
እቲ ኻብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፅእ፥
ስመይ ዝፅውዕ እዩ፤
ከምቲ ሰራሒ መሬት ንጭቃ ዝረግፆ፥
ንሱ ኸዓ ነሕሉቕ ከም መሬት ይረግፆም።
26ንሕና ኽንፈልጦ፥
ሓቂ እዩውን ምእንቲ ኽንብልስ፥
ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ፥
እዙይ ክኸውን ከም ዘለዎ፥
ዝተናገረ መን እዩ?
ዝተናገረ የለን፥ ዝገልፅውን የለን፤
ቃልኩም ዝሰምዐውን የለን።
27ቅድሚ ዅሉ ንፅዮን፥
‘እኒሀዉልኪ እዚኣቶም’ ክብል እየ፤
ንኢየሩሳሌም ከዓ፥
ብስራት ዝነግር ክህብ እየ።
28እንተ ጠመትኩ፥ ሓደ እኳ የለን፤
ኣብ ማእኸሎም መማኸሪ የለን፤
እንተ ጠየቕክዎም ድማ፥
መልሲ ኽህብ ዝኽእል የለን።
29እንሆ ዅላቶም ከንቱ እዮም፤
ተግባሮም ከዓ ብላሽ እዩ፤
እቶም መኺኾም ዝተሰርሑ ጣዖታቶምውን፥
ንፋስን ከንቱን እዮም።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 41: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in