1
ኢሳይያስ 42:6-7
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
“ኣነ እግዚኣብሄር ብፅድቂ ፀዋዕኹኻ፤ ኢድካ ኽሕዝ እየ፤ ክሕልወካውን እየ፤ ንህዝቢ ቓል ኪዳን፥ ንኣህዛብ ድማ ብርሃን ገበርኩኻ። ንስኻ ኸዓ ኣዒንቲ ዕዉራት ክትከፍት፥ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፥ ነቶም ኣብ ፀልማት ዝነብሩ ኸዓ ኻብ ማእሰርቶም ክተውፅኦም ኢኻ።”
Compare
Explore ኢሳይያስ 42:6-7
2
ኢሳይያስ 42:8
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ስመይውን እዙይ እዩ። ክብረይ ንኻልእ፥ ምስጋናይውን ንዝተቐረፀ ምስሊ ኣይህብን።
Explore ኢሳይያስ 42:8
3
ኢሳይያስ 42:1
“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።
Explore ኢሳይያስ 42:1
4
ኢሳይያስ 42:3-4
ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን፥ ዝትኪ ፈትሊ ጧፍውን ኣየጥፍእን፤ ብሓቂ ፍትሒ ኸውፅእ እዩ። ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘምፅእ፥ ይበርህ እምበር ኣይጠፍእን፤ ኣህዛብውን ብስሙ ኽእመኑ እዮም።”
Explore ኢሳይያስ 42:3-4
5
ኢሳይያስ 42:16
“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
Explore ኢሳይያስ 42:16
6
ኢሳይያስ 42:9
እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤ ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤ ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”
Explore ኢሳይያስ 42:9
Home
Bible
Plans
Videos