ኢሳይያስ 38
38
ንጉስ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ
(2 ነገ. 20፡1-11፥ 2 ዜና. 32፡24-26)
1በቲ ዘመን እቱይ ሕዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝበፅሕ ሓመመ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ከዓ ናብኡ መፂኡ፥ “እግዚኣብሄር ‘ክትመውት ኢኻ እምበር ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻሞ፥ ቤትካ ኣመዓራሪ’ ይብለካ ኣሎ” በሎ።
2ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ። 3“ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝተመላለስኩን፥ ኣብ ቅድሜኻውን ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር” በለ። ሕዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።
4ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መፀ፦ 5“ኪድ እሞ ንሕዝቅያስ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፥ ፀሎትካ ሰሚዐ፤ ንብዓትካውን ሪአ፤ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ። 6ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን፥ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፥ ይብል ኣሎ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
7“እግዚኣብሄር ንዝተናገሮ ቓል ከም ዝፍፅሞ፥ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር ምልክት ይኹነልካ። 8እንሆ፥ ነቲ ኣካዝ ኣብ ዝሰርሖ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ክመልሶ እየ።” ፀሓይ ከዓ በቲ ናይ ፅላሎት መለለዪ ሰዓት፥ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት።
9ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሓወየ፤ ዝፀሓፎ ፅሑፍ እዙይ እዩ፦
10ኣነ “ኣብ ማእኸል መዋእል ህይወተይ እንተለኹ፥
ናብ ደገታት ሲኦል ክኸይድ ድየ?
ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ ክስእን ድየ?” በልኩ።
11ደጊም “ኣብ ምድሪ ህያዋን ኮይነ፥
ንእግዚኣብሄር ኣይሪኦን እየ፤
ምስቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዘለዉ ኾይነ፥
መሊሰ ሰብ ኣይርእን እየ” በልኩ።
12መሕደሪየይ ተነቐለት፤
ከም ድንኳን ጓሳ ኸዓ ኻባይ ተወሰደት፤
ህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕለልኩ፤
ንሱውን ካብ መጠቕለሊ ኽቘርፀኒ እዩ፤
ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።
13ክሳዕ ዝወግሕ ሃዲአ ተፀበኹ፤
ንሱ ግና ኸም ኣንበሳ፥
ንዅሉ ኣዕፅምተይ ሰባበሮ፤
ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።
14ከም ለዃዂቶን ከም ራዛን ጭቝጭቝ በልኩ፤
ከም ርግቢውን ቈዘምኩ፤
ኣዒንተይ ናብ ላዕሊ ብምጥማት ደኸማ፤
ኦ እግዚኣብሄር፥ እጭነቕ ኣለኹሞ ዋልታ ኹነኒ።
15እንታይ እሞ ኽብል እየ፤ ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፤
ንሱ ኸዓ ገበሮ፤
ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዅለን ዓመታተይ፥
ብህድኣት ክመላለስ እየ።
16ኦ ጐይታ፥ ሰብ በዝ ኸምዙይ እዩ ብህይወት ዝነብር፤
ህይወት መንፈሰይ ከዓ በዝ ዅሉ እዩ፤
ኣሕውየኒ፤ ህይወትውን ምለሰለይ።
17እንሆ፥ እዝ ዓብዪ ጭንቂ እዙይ ንሰላመይ ኮነ፤
ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤
ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።
18ሲኦል ኣየመስግነኻን እዩሞ፥
ሞትውን ኣየኽብረካንሞ፥
እቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ
ብሓቅነትካ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም።
19ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥
እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤
ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥
ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።
20እግዚኣብሄር እዩ ዘድሕነኒ፤ ስለዙይ ብዅሉ መዓልቲታት ህይወትና፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዝሙራት ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና።
21ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ገይሮም ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ፤ ንሱውን ክሓዊ እዩ” ኢሉ ነበረ። 22ሕዝቅያስ ድማ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብስ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሉ ነበረ።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 38: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in