YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 39

39
ካብ ባቢሎን ዝመፁ ልኡኻት
(2 ነገ. 20፡12-19)
1በታ ጊዜ እቲኣ መሮዳክ፥ ወዲ ባልዳን ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፅ በረኸትን ሰደደሉ። 2ሕዝቅያስ ድማ ብኣኣቶም ተሓጐሰ እሞ፥ ነቲ ቤት መዛግብቱ፥ ንብሩርን ወርቅን ቀመማ ቐመምን፥ ነቲ ኽቡር ዘይትታትን፥ ንዅሉ ቤት ኣፅዋርን፥ ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝፀንሐ ዅሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ካብ ዝነበረ፥ ሕዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓደ እኳ ኣይተረፈን። 3ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እንታይ በሉኻ? ካበይከ መፁ?” በሎ።
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ኻብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” በሎ።
4ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
ሕዝቅያስ ድማ “ኣብ ቤተይ ዘሎ ዅሉ ሪኦም እዮም። ካብቲ ኣብ መዝገበይ ዘሎ ዅሉ ዘየርአኽዎም ሓደ እኳ የለን” ኢሉ መለሰሉ።
5ሽዑ ኢሳይያስ ንሕዝቅያስ “ንቓል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ስማዕ፦ 6እንሆ፥ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ፥ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ፥ ሓደ እኳ እንተይተረፈ፥ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ይብል እግዚኣብሄር። 7#ዳን. 1፡1-7፥ 2 ነገ. 24፡10-16፥ 2 ዜና. 36፡10። ካባኻ ዝውለዱ ደቅኻ ኸዓ፥ ናብ ስደት ክውሰዱ እዮም እሞ፥ ስሉባት ኮይኖም ኣብ ቤት ንጉስ ባቢሎን ከገልግሉ እዮም” በሎ።
8ሕዝቅያስ ከዓ ደጊምስ ብዘመነይ ሰላምን ሓቅን ክኸውን እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ንኢሳይያስ “እቲ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ፅቡቕ እዩ” በሎ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 39: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in