1
ኢሳይያስ 35:10
መፅሓፍ ቅዱስ
ትመ15
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
Compare
Explore ኢሳይያስ 35:10
2
ኢሳይያስ 35:3-4
ንዝደኸማ ኣእዳው ኣበርትዑ፤ ንዝላሕልሑ ኣብራኽ ኣፅንዑ። ነቶም ፈራሕ ዝልቦም፥ “ኣይዞኹም፥ ኣይትፍርሑ፤ እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ፤ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመፅእ እዩ” በልዎም።
Explore ኢሳይያስ 35:3-4
3
ኢሳይያስ 35:8
ኣብኡ ፅርግያን መንገድን ክህሉ እዩ፤ “ቅዱስ ጐደና” ተብሂሉ ኸዓ ኽፅዋዕ እዩ። ዝረኸሰ ብእኡ ኣይሓልፍን እዩ፤ ንንፁሃን ግና ይኸውን፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ዓሻ እኳ እንተ ኾነ ኣይጋገን እዩ።
Explore ኢሳይያስ 35:8
4
ኢሳይያስ 35:5
ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ክበርሃ፥ ኣእዛን ፀማማት ክኽፈታ እየን።
Explore ኢሳይያስ 35:5
5
ኢሳይያስ 35:6
ሽዑ ሓንካስ ከም መይዳቝ ክዘልል፥ ኣንደበት በሃም ከዓ ኽዝምር እዩ፤ ማያት ኣብ በረኻ፥ ወሓይዝ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ።
Explore ኢሳይያስ 35:6
Home
Bible
Plans
Videos