ኢሳይያስ 12
12
መዝሙር ምስጋና
1በታ መዓልቲ እቲኣ፦
ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤
ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥
ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
2 #
ዘፀ. 15፡2፥ መዝ. 118፡14። እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤
ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥
ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥
ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
3ካብ ፍልፍል፥ ማይ ድሕነት፥
ብሓጐስ ክትቀድሑ ኢኹም፤
4በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥
ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦
“ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤
ስሙውን ፀውዑ፤
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤
ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።
5ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥
ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤
እዙይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ኣፍልጡ።
6ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥
ናይ እስራኤል ቅዱስ፥
ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥
ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢሳይያስ 12
12
መዝሙር ምስጋና
1በታ መዓልቲ እቲኣ፦
ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤
ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥
ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
2 #
ዘፀ. 15፡2፥ መዝ. 118፡14። እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤
ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥
ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥
ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።
3ካብ ፍልፍል፥ ማይ ድሕነት፥
ብሓጐስ ክትቀድሑ ኢኹም፤
4በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥
ከምዙይ ክትብሉ ኢኹም፦
“ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤
ስሙውን ፀውዑ፤
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ግብርታቱ ኣፍልጡ፤
ስሙ ልዑል ከም ዝኾነ ንገሩ።
5ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፥
ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፤
እዙይውን ኣብ ኵሉ ምድሪ ኣፍልጡ።
6ኣቲ ኣብ ፅዮን እትነብሪ፥
ናይ እስራኤል ቅዱስ፥
ኣብ ማእኸልኪ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ፥
ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in