ኢሳይያስ 13
13
እግዚኣብሄር ንባቢሎን ክቐፅዓ እዩ
1ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።
2ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባ፥ ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ። ነቶም ሰራዊት ዓው ኢልኩም ኣድምፁሎም፤ ኣሕሉቕ ብበሪ ምእንቲ ኽኣትዉ ብኢድኩም ኣመልክቱሎም። 3ነቶም ቅዱሳነይ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ንጀጋኖይን ነቶም ብኽብረይ ዕልል ዝበሉንውን ቍጥዓይ ንምፍፃም ፀዊዐዮም ኣለኹ። 4ድምፂ ወኻዕታ፥ ከም ብዙሕ ህዝቢ ኣብ እምባታት ኣሎ፤ ድምፂ እቶም እኩባት መንግስታት ኣህዛብ ይሃምም ኣሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፥ ነቶም ሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ። 5እግዚኣብሄርን ኣፅዋር ቍጥዓኡን ነታ ምድሪ ብምልእታ ኸጥፍኡ ኻብ ወሰን ሰማይን ካብ ርሑቕ ሃገርን ክመፁ እዮም።
6 #
ኢዩ. 1፡15። መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ቀሪባ እያ እሞ፥ ብኸዩ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ጥፍኣት ይመፅእ ኣሎ። 7ስለዙይ ኣእዳው ደቂ ሰብ ክለምሳ እየን፤ ልቢ ዅሉ ሰብ ከዓ ኽመክኽ እዩ። 8ክድንግፁ፥ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፤ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኸቕለልዉ፥ ተገሪሞም ንስንሳቶም ክጠማመቱ እዮም፤ ገፆም ከዓ ኸም ገፅ ሃልሃልታ እዩ። 9እኒሃ መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ምስ መዓትን ብርቱዕ ቍጥዓን ናህርን መሰክሒት ኮይና ትመፅእ ኣላ። ንምድሪ ኽተባድማ፥ ነቶም ኣብኣተን ዝነብሩ ሓጥኣን ድማ ኽተጥፍኦም እያ። 10ከዋኽብቲ ሰማይን ሰራዊቶምን፥ ብርሃኖም ኣይህቡን እዮም፤ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኽትፅልምት እያ፤ ወርሒ ኸዓ ብርሃና ኣይትህብን እያ። #ሕዝ. 32፡7፥ ማቴ. 24፡29፥ ማር. 13፡24-25፥ ሉቃ. 21፡15፥ ራእይ 6፡12-13።
11ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፥ ንሓጥኣን ድማ ስለ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ። ንዅርዓት ዕቡያት ከዓ መወዳእታ ኽገብረሉ፥ ንትዕቢት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ። 12ነቶም ዝተረፉ ኻብ ፅሩይ ወርቂ፥ ካብቲ ወርቂ ኦፊር ድማ ዝኸበሩ ኽገብሮም እየ። 13ንሰማያት ከንቀጥቅጦም እየ፤ ምድሪ ኸዓ ብመዓልቲ ርሱን ቍጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኣ ኽትናወፅ እያ። 14ከም እትህደን መይዳቝን፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን መጓሰን ኮይኖም፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቦም ክምለሱ፥ ነናብ ሃገሮምውን ክሃድሙ እዮም። 15ኵሉ ዝተረኽበ ኽውጋእ እዩ፤ ዝተትሓዘ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ። 16ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ህፃናቶም ክጭፍጨፉ እዮም፤ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፤ ኣንስቶም ድማ ኽንውራ እየን።
17እንሆ፥ ነቶም ንብሩር ግዲ ዘይብሎም፥ ንወርቂ ኸዓ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስአሎም እየ። 18መንትጎም ነጕባዝ ከውድቖም እዩ፤ ንፍረ ማህፀን ድማ ኣይምሕሩን እዮም፤ ኣዒንቶምውን ንህፃናት ኣይርህርሁሎምን እዮም። 19#ዘፍ. 19፡24። መንግስቲ ባቢሎን ዕንቊ መንግስታት፥ ኵርዓት ከለዳውያን እያ። ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንሰዶምን ገሞራን ዘፍረሰን ከፍርሳ እዩ። 20ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይሰፍርን እዩ፤ ንውሉድ ወለዶ ኸዓ መሕደሪ ሰብ ኣይትኸውንን እያ። ኣዕራብውን ኣብኣ ድንኳኖም ኣይተኽሉን፤ ጓሶት ድማ መጓሰኦም ኣየስፍሩላን እዮም። 21#ኢሳ. 34፡14፥ ሶፎ. 2፡14፥ ራእይ 18፡2። ግና ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኽሰፍሩ እዮም፤ ኣባይታ ብጕጓታት ክመልእ እዩ፤ ሰገናት ኣብኣ ኽነብራ እየን፤ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኽሰራሰሩ እዮም። 22ተዅላታት ኣብ ኣደራሻታ፥ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ፅቡቕ ግምብታታ ኽንቅዉ እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፤ መዓልትታታውን ኣይድንጕያን እየን።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: