YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 11

11
ሰላማዊ መንግስቲ
1 # ራእይ 5፡5፥ 22፡16። ካብቲ ጕንዲ እሴይ፥ በትሪ ኽወፅእ እዩ፤ ካብ ሱሩውን ቈጥቋጥ ክፈሪ እዩ።
2መንፈስ እግዚኣብሄር፥
መንፈስ ጥበብን ምስትውዓልን፥
መንፈስ ምኽርን ሓይልን፥
መንፈስ ፍልጠትን ፍርሓት እግዚኣብሄርን፥
ኣብ ልዕሊኡ ኽዓርፍ እዩ።
3ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ ክሕጐስ እዩ፤
ዓይኑ ኸም ዝሪኦ ኣይፈርድን፤
እዝኑ ኸም ዝሰምዖ ኣይብይንን እዩ፤
4 # 2 ተሰ. 2፡8። ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥
ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥
ብቕንዕና ኽብይን እዩ።
ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥
ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥
ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
5 # ኤፌ. 6፡14። ፅድቂ መዕጠቒ ሕቘኡ፥
ተኣማንነትውን ናይ ጐኑ መቐነት ክኸውን እዩ።
6 # ኢሳ. 65፡25። ተዅላ ምስ ጥቦት በጊዕ ክነብር፥
ነብሪ ኸዓ ምስ ማሕሲእ ጤል ክድቅስ እዩ፤
ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ ዝራብዕን፥
ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤
ንእሽተይ ቈልዓውን ክጓስዮም እዩ።
7ላሕምን ድብን ሓቢሮም ክወፍሩ እዮም፤
ዘዝወለድዎምውን ብሓደ ኽዔሙ እዮም፤
ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ እዩ።
8ዝጠቡ ህፃን ድማ፥
ኣብ ልዕሊ ጕድጓድ መርዛም ተመን ይፃወት፤
ጡብ ዝሓደገ ህፃን ድማ፥
ኢዱ ኣብ ጕድጓድ ኣፍዑት የእቱ።
9 # እንባ. 2፡14። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተቐደሰ እምባይ፥
ጕድኣት ወይ ጥፍኣት ኣየብፅሑን፤
ማይ ንባሕሪ ኸም ዝሽፍን፥
ምድሪ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ፥
ክትመልእ እያ እሞ።
ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ዝነበሩ ኽምለሱ እዮም
10 # ሮሜ 15፡12። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኣህዛብ ምልክት ክኸውን ንዝቖመ ሱር እሴይ፥ ኣህዛብ ክደልይዎ እዮም። መዕረፊኡውን ዝኸበረ ክኸውን እዩ። 11በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኢዱ ዘርጊሑ፥ ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ግብፅን፥ ካብ ጳጥሮስን፥ ካብ ኢትዮጵያን፥ ካብ ኤላምን፥ ካብ ባቢሎንን፥ ካብ ሃማትን፥ ካብ ደሴታትን፥ ካብ ገማግም ባሕርን፥ ክእክቦም እዩ። 12እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ነቶም ካብ እስራኤል ዝተሰደዱን፥ ነቶም ካብ ይሁዳውን ዝተበተኑን፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ። 13ቅንኢ ኤፍሬም ክርሕቕ እዩ፤ ፀላእቲ ይሁዳ ኸዓ ኽጠፍኡ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይቐንአሉን፤ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣየጨንቖን እዩ። 14ኣብ ማእገር ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ እዮም፤ ብሓደ ኾይኖም ንሰብ ምብራቕ ከዓ ኽዘምትዎም እዮም። ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣእዳዎም ክዝርግሑ እዮም፤ ደቂ ኣሞን ከዓ ኽእዘዝዎም እዮም። 15#ራእይ 16፡12። እግዚኣብሄር ድማ፥ ንባሕሪ ግብፂ ኸንቅፆ እዩ፤ ንፈለግ ኤፍራጥስ ከንቅፅ፥ ብርቱዕ ነፋስ ክሰድድ እዩ። ሸውዓተ ሩባታት ገይሩውን ክወቕዖ እዩ፤ ሰባት ድማ ሳእኒ ኣእትዮም ከም ዝሳገርዎ ኽገብሮ እዩ። 16እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ንእስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ ዝገበረሎም፥ ሎሚ ኸዓ ነቶም ካብ ጥፍኣት ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ኻብ ኣሶር ዝወፁሉ መንገዲ ኸዳልወሎም እዩ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in