YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 10

10
1-2ኣቱም ንፅጉማት ፍትሒ ኽትከልእዎም፥ ንድኻታት ህዝበይ ከዓ መሰሎም ክትግሕሱዎም፥ ንመበለታት ምርኮኹም ክትገብርወን፥ ንደኽታማት ድማ ምእንቲ ኽትከትርዎም ኢልኩም ሕግታት ዓመፃ እትሕግጉ፥ ሕሱም ሕግጋት ከዓ እትእውጁ፥ ወይለኹም! 3ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ጥፍኣት ካብ ርሑቕ እንትመፅእ፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ሓገዝ ክትረኽቡኸ ናብ መን ክትሃድሙ ኢኹም? ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም? 4ተኣሲርኩም ኣብ ትሕቲ እሱራት ካብ ምድናንን፥ ምስቶም ዝተሓረዱውን ካብ ምድርባይን ኣይተምልጡን ኢኹም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
በትሪ እግዚኣብሄር
5እግዚኣብሄር፥ “በትሪ ቝጥዓይ ንዝኾነ፥ ሻቘጥ ቍጥዓይውን ኣብ ኢዱ ንዘሎ ንኣሶር ወይለኡ! 6ንእኡ ናብቲ ዝንጉዕ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፤ ናብቲ ዘቘጥዐኒ ትውልዲውን ክልእኾ እየ፤ ንሱ ድማ ኽዘምቶምን ክብዝብዞምን ከም ጭቃ ኣደባባይ ክረግፆምን እዩ” በለ።
7ንሱ ግና ኸምኡ ኣይሓስብን፤ ብልቡውን ከምኡ ኣይመስሎን፤ ግና ምጥፋእን ውሑዳት ንዘይኮኑ ኣህዛብ ምቍራፅን ኣብ ልቡ ኣሎ። 8ከምዙይ ይብል፦ “ኵሎም መሳፍንተይ ነገስታትዶ ኣይኮኑን? 9ካልኖ ከም ከርከሚሽ፥ ሃማት ከም ኣርፋድ፥ ሰማርያኸ ኸም ደማስቆዶ ኣይኮነትን? 10ከምቲ ነቶም ካብ ኢየሩሳሌምን ሰማርያን ዝበልፅ ፅሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስታት ጣዖታት፥ ኢደይ ዘርከበቶም፥ 11ከምቲ ኣብ ሰማርያን ኣብ ጣዖታታን ዝገበርክዎ፥ ከምኡ ኸዓ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዝተቐረፁ ምስልታታን ክገብሮዶ ኣይኽእልን?” ይብል ኣሎ። 12እግዚኣብሄር ግና “ኵሉ ግብሩ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምስ ፈፀመ ንንጉስ ኣሶር ስለ ትዕቢት ልቡን፥ ንድርቅና እተን ኵሩዓት ኣዒንቱን ክቐፅዖ እዩ።”
13ንጉስ ኣሶር “መስተውዓሊ ስለ ዝኾንኩ፥ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ነዝ ዅሉ ገበርክዎ፤ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝነበረ ወሰን ኣፍረስክዎ፥ ንመዛግብቶም ድማ ዘመትክዎ፤ ንነገስታቶምውን ከም ሓደ ብርቱዕ ጅግና ኾይነ ኣዋረድክዎም። 14ሰብ ኢዱ ናብ ሰፈር ዒፍ ከም ዝሰድድ፥ ኣነውን ከምኡ ኢደይ ናብ ሃብቲ መንግስታት ሰደድኩ፤ ሰባት ዝተሓደገ እንቍላሊሕ ከም ዝእክቡ ኣነውን ከምኡ ንዅሉ ምድሪ ኣከብኩዎ። ክከላኸል ኢሉ ኽንፉ ዘንገብግብ ወይ ኣፉ ኸፊቱውን ዘእወየ ኣይነበረን” ይብል ኣሎ።
15ምሳር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቘርፀሉ ሰብዶ ይዘሃር እዩ? መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡዶ ይዕበየሉ እዩ? በትሪ፥ ኣብቲ ኣልዒልዎ ዘሎ ሰብዶ፥ ርእሱ ይንቕንቕ እዩ? በትሪኸ፥ ዕንፀይቲ ኸም ዘይኮነ ንባዕሉ ሓፍ የብል ድዩ? 16ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ናብቶም ህጡራት፥ ዕብራን ክሰድድ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኽብሩ ድማ ኸም ነበልባል ሓዊ ኸባርዕ እዩ። 17እቲ ብርሃን እስራኤል ከም ሓዊ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ክኸውን እዩ፤ ንእሾኹን ኳዂቶኡን ድማ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኸቃፅሎ እዩ፤ ክበልዖውን እዩ። 18ከምቲ ሕማም ንሰብ እናመንመነ ዝቐትሎ፥ ከምኡ ድማ ንኽብሪ እቲ ዱርን ንፈራዪ ገራሁን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ። 19እቲ ኻብ ዱር ዝተረፈ ኣእዋም ከዓ፥ ንእሽተይ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዝፅሕፎ፥ ቍፅሩ ውሑድ ክኸውን እዩ።
እቶም ዝተረፉ ኽምለሱ እዮም
20በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም ካብ ዘርኢ እስራኤል ዝተረፉን፥ እቶም ካብ ቤት ያእቆብውን ዝደሓኑን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፥ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክእመኑ እዮም እምበር፥ ድሕሪ ደጊም ኣብቶም ዝወቕዕዎም ኣይእመኑን እዮም። 21እቶም ካብ ያእቆብ ዝተረፉ፥ ናብቲ ሓያል ኣምላኽ ክምለሱ እዮም። 22ኦ እስራኤል፥ ህዝብኻ ኸም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ ኾኑ፥ እቶም ተረፍ ጥራሕ ክምለሱ እዮም። ዓብዪ ጥፍኣት ተኣዚዝዎ እዩ፤ እዙይውን ንፅድቂ ኸውሕዞ እዩ። 23#ሮሜ 9፡27። እወ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምቲ ኽገብሮ ዝወሰኖ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጥፍኣት ከምፅእ እዩ።
እግዚኣብሄር ንኣሶር ክቐፅዓ እዩ
24ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር “ኣታ ኣብ ፅዮን እትነብር ዘለኻ ህዝበይ፥ ኣሶር እኳ ብበትሪ እንተ ወቕዐካ፥ ከምቲ ግብፂ ዝገበረካ ኣሶርውን በትሩ እንተልዓለልካ ኣይትፍራሕ። 25ቍጥዓይ ክሳዕ ዝፍፀም፥ መዓተይውን ክሳዕ ዘጥፍኦም፥ ቁሩብ ጊዜ ተሪፉ እዩሞ። 26ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ኰዅሒ ኮሬብ ንምድያም ዝገበሮ፥ ጭጕራፍ ከልዕለሉ እዩ። ከምቲ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኣልዒሉ ንግብፃውያን ዝቐፅዖም፥ በትሩ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኸልዕል እዩ። 27በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሩ ኻብ ማእገርኩም፥ ነርዑቱ ድማ ኻብ ክሳድኩም፥ ከውርዶ እዩ። እቲ ኣብ ክሳድኩም ዘሎ ኣርዑት ከዓ፥ ካብ ምርጓዱ ዝተልዓለ ኽስበር እዩ” ይብል ኣሎ።
ወራሪ
28ናብ ኣንጋይ መፀ፤ ብመጌዶን ኣቢሉውን ሓለፈ። ኣብ ማክማስ ድማ ኣቑሑኡ ኣንበረ። 29በቲ መተሓላለፊ ሓሊፉ ኣብ ጌባ ሓደረ። ራማ ራዕራዕ ትብል። ናይ ሳኦል ገባዖን፥ ሃደመት። 30ኣቲ ጓል ጋሊም፥ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፤ ላይሻ ከዓ ፅን በሊ፤ ኣናቶት ድማ መልስላ። 31ማድቤና ትሃድም ኣላ፤ ኣብ ግቤር ዝነብሩውን ስድራኣቶም ኣህደሙ። 32በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፤ ኢዱ ኣብ እምባ ጓል ፅዮን፥ ኣብ ኰረብታ ኢየሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
33እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከም ንጨናፍር፥ ብዘስካሕክሕ ሓይሊ ኽሰልዖም እዩ። እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ክቝረፁ፥ እቶም ልዑላት ከዓ ኽዋረዱ እዮም። 34#ኢሳ. 14፡24-27፥ ነህ. 1፡1—3፡19፥ ሶፎ. 2፡13-15። ነቲ ዕሙር ዱር ብሓፂን ክቘርፆ እዩ፤ ሊባኖስ እውን ብኢድ እቲ ሓያል ክወድቕ እዩ።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in