ኢሳይያስ 9
9
ክመፅእ ዘለዎ ንጉስ ሰላም
1 #
ማቴ. 4፡15። ግና ኣብ ጭንቂ ንዝነበረት ደጊም ፀልማት ኣይኸውንን፤ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ኣዋረደ። ብዳሕረዋይ ዘመን ግና፥ ብማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብመንገዲ ባሕሪ ዘላ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኸኽብራ እዩ።
2 #
ማቴ. 4፡16፥ ሉቃ. 1፡79። እቲ ኣብ ፀልማት ዝመላለስ ህዝቢ፥
ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤
ነቶም ኣብ ምድሪ ፅላሎት ሞት ዝነብሩ ድማ፥
ብርሃን ወፀሎም።
3ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕኻዮ፥ ንሓጐሶምውን ወሰኽካሉ፤
ሰባት ምህርቲ እንትእክቡ፥
ምርኮውን እንትካፈሉ ደስ ከም ዝብሎም፥
ንሳቶም ኣብ ቅድሜኻ ኽሕጐሱ እዮም።
4ከምቲ ቐደም ኣብ ምድያም ዝኾነ፥
ነቲ ዝኸበዶም ኣርዑትን፥
ነቲ ኣብ ማእገሮም ዝነበረ በትርን፥
ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ።
5ኵሉ መንገዲ ጫማታት ሰብ ኲናትን፥
ብደም ዝተኣለኸ ኽዳውንትን ክነድድ፥
መሳወሪ ሓዊ ኾይኑውን ክቓፀል እዩ።
6ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤
ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ።
ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ”
“ሓያል ኣምላኽ”
“ኣቦ ዘለኣለም”
“ሓለቓ ሰላም”
ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
7 #
ሉቃ. 1፡32-33። ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥
ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥
ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥
ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤
ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን።
ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክቐፅዓ እዩ።
8ጐይታ ናብ ያእቆብ ቃሉ ሰደደ፤ እዙይውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ወደቐ። 9ኵሉ ህዝቢ ኤፍሬምን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም፤ ንሳቶም ዕቡያትን ምኩሓትን እዮም፤ 10ስለዙይ “ብጡብ ዝተሰርሐ ፈረሰ፥ ንሕና ግና ብውቑር እምኒ ኽንሓንፆ ኢና፤ ኦም ሳግላ ተቘርፀ፥ ግና ብፅሕዲ ኽንትክኦ ኢና” ይብሉ ኣለዉ።
11ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ፅዮን፥ ንተቓወምቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስኦም፥ ንፀላእቱውን ከለዓዕሎም እዩ። 12ሰብ ሶርያ ብምብራቕ፥ ፍልስጥኤማውያን ድማ ብምዕራብ፥ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
13እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝቐፅዖም ኣይተመለሱን፤ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። 14ስለዙይ እግዚኣብሄር ብሓደ መዓልቲ፥ ርእስን ጭራን ጨናፍር ስየን ሻምበቆን ካብ እስራኤል ክቘርፅ እዩ። 15እቶም ዓበይትን ምርኡያትን ሰባት ንሳቶም ርእሲ እዮም፤ እቶም ሓሰት ዝምህሩ ነቢያት ከዓ ጭራ እዮም። 16መራሕቲ እዝ ህዝቢ እዙይ መስሓትቲ እዮም፤ እቲ ብኣኣቶም ዝምራሕ ህዝቢ እውን ክጠፍእ እዩ። 17ኵላቶም ግብዛትን ገበርቲ ኽፉእን እዮም፤ ኵሉ ዝዛረብዎ ኸዓ ኽፍኣት እዩ እሞ፥ ስለዙይ እግዚኣብሄር በጕባዞም ኣይሕጐስን፤ ንደኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከዓ ኣይርህርሀሎምን እዩ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
18ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ። 19ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን። 20ሰብ ብየማኑ ይምንጥል፥ ግና ጥሜቱ ኣይዕገስን፤ ብፀጋምውን ይበልዕ፥ ግና ኣይፀግብን፤ ነፍሲ ወከፉ ስጋ ቅልፅሙ ይበልዕ። 21ምናሴ ንኤፍሬም፥ ኤፍሬም ከዓ ንምናሴ ይበልዖ፤ ንሳቶም ድማ ሓቢሮም ንይሁዳ ፀላእቱ ይኾኑ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: