ሆሴዕ 8
8
1መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ። 2ንሳቶም፥ ኦ ኣምላኽና፥ ንሕና እስራኤል ፈሊጥናካ ኢና፥ እናበሉ ናባይ ከእውዩ እዮም። 3ግና ዅሎም እስራኤል ፅቡቕ ዝኾነ ነገር ኣወገዱ፤ ፀላኢ እውን ክሰጕጎም እዩ።
4“ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ።
እስራኤል ንጣዖት ብምምላኾም ከም ዝተወቕሱ
5“ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ? 6እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ። 7ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ። 8እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ። 9ከምቲ ንበይኑ ዝነብር ኣድጊ በረኻ፥ ናብ ኣሶር ከዱ፤ ኤፍሬም ብውህብቶ ፈተውቲ ገበረ። 10ምንም እኳ ንኣህዛብ ውህብቶ እንተ ሃቡ፥ ኣነ ሐዚ ኽእክቦም እየ፤ ካብ ፆር እቲ ንጉስን መሳፍንትን ዝተልዓለ እናደኸሙ ክኸዱ እዮም።
11“ኤፍሬም ሓጢኣት ንምስራሕ ኢሉ ብዙሕ መሰውኢታት እንተ ሰርሐ እኳ፥ እቲ መሰውኢታት ንሓጢኣት ኮኖ። 12ነዝ ሕገይ ፀሓፍኩሎም፤ ንሳቶም ግና ኸም ባዕዲ ነገር ቈፀርዎ። 13መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።
14“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”
Currently Selected:
ሆሴዕ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in