YouVersion Logo
Search Icon

ሆሴዕ 9

9
መቕፃዕቲ ህዝቢ እስራኤል
1ኦ እስራኤል፥ ካብ ኣምላኽካ ተፈሊኻ ኣመንዚርካ፥ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻሞ፥ ከም ኣህዛብ ደስ ኣይበልካ፤ ኣይትተሓጐስውን። 2ዓውድን መፅመቚ ወይንን ኣይቕልቦምን፤ ኰልዒ ወይኒ እውን ክጐድል እዩ። 3ኣብ ምድሪ እግዚኣብሄር ኣይነብሩን እዮም፤ ኤፍሬምውን ናብ ግብፂ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ኣሶር ከዓ ርኹስ ምግቢ ኽበልዑ እዮም። 4ንእግዚኣብሄር ቍርባን ወይኒ ኣየፍሰሱን፤ መስዋእቶምውን ኣየሐጕሶን። ንኣኣቶም እንጀራ ሓዘን ክኾኖም እዩ። ካብኡ ዝበልዕውን ክረክስ እዩ። እንጀራኣቶምውን ንርእሶም ደኣ ይኾን እምበር ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን። 5ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን፥ ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄርን፥ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? 6እንሆ፥ ካብ ጥፍኣት ሃዲሞም ከዱ፤ ግብፂ ድማ ኽትእክቦም እያ፤ ሜምፎስውን ክትቀብሮም እያ። ነቲ ኽቡር ብሩሮም ኣምዐ ይወርሶ፤ ኣሜከላውን ኣብ ውሽጢ ድንኳናቶም ይበቍል።
7 # ሉቃ. 21፡22። ወርሓት ቅፅዓት መፂኡ እዩ፤ መዓልቲታት ፍዳ ኸዓ በፂሑ እዩ፤ እስራኤልውን ይፈልጦ እዩ። ካብ ብዝሒ ሓጢኣትካን፥ ካብ ፅልኣትካን ዝተልዓለ፥ እቲ ነቢይ ሰሲዑ፥ እቲ መንፈሳዊ ሰብ ድማ ኸም ዕቡድ ተቘፀረ። 8ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ኮይኑ ሓላዊ ነበረ፤ ሕዚ ግና ነቲ ነቢይ ኣብ ኵሉ መንገዱ መፈንጠር ኣዕዋፍ ኮነ፤ ኣብ ቤት ኣምላኹውን ፅልኢ ኣሎ። 9#መሳ. 19፡1-30። ከምቲ ኣብ ዘመን ጊብዓ ዝነበረ የመና ረኸሱ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽፍኣቶም ክዝክር እዩ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ክብቀሎም እዩ።
ሓጢኣት እስራኤልን ሳዕቤኑን
10 # ዘሑ. 25፡1-5። ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ኾይኑ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ድማ፥ ከምቲ ቐዳማይ በኵራት ፍረ ኦም በለስ ረአኽዎም። ንሳቶም ግና ናብ ብዔልፌጎር ኣተዉ፤ ንነውሪ ድማ ተፈለዩ፤ ከምቲ ዝፈተውዎ ኸዓ ርኹሳት ኮኑ። 11ክብሪ ኤፍሬም፥ ከም ዒፍ ነፊሩ ኽጠፍእ እዩ፤ ደጊም ምውላድ ምጥናስ ድቂ ምሓዝ ኣይኾነሎምን። 12ውሉድ ወሊዶም እንተ ኣዕበዩኳ፥ ሓደ ሰብ ከይተርፈሎም ውሉድ ኣልቦ ኽገብሮም እየ። ካብኣቶም ምስ ረሓቕኩ ወይለኦም!
13ኣነ ኸም ዝረአኽዎ፥ ደቂ ኤፍሬም ንምርኮ ተውሂቦም እዮም። ኤፍሬምውን ንደቁ ናብ ቀተልቲ ኸውፅእ እዩ። 14ኦ እግዚኣብሄር፥ ሃቦም፤ እንታይ ክትህቦም ኢኻ? ዘይወልድ ማህፀንን ንፁፍ ጡብን ሃቦም።
15ኣብ ጌልገላ ኻብ ዝገበርዎ ኽፍኣት ዝተልዓለ፥ ኣነ ኣብኡ ፀላእኹዎም። ስለ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣትውን፥ ካብ ቤተይ ከሳጕጎም እየ። ድሕሪ ደጊም ኣየፍቅሮምን እየ፤ ኵሎም ኣሕሉቖም ዓመፀኛታት እዮም። 16ኤፍሬም ተወቕዐ፤ ሱሩውን ነቐፀ፤ ፍረ ድማ ኣየፍርን። እንተ ወለዱውን፥ ነቶም ፍረ ኸርሶም ክቐትሎም እየ።
17ስለ ዘይሰምዕዎ ኣምላኸይ ክድርብዮም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ኰብለልቲ ክኾኑ እዮም።

Currently Selected:

ሆሴዕ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in