YouVersion Logo
Search Icon

ሆሴዕ 5

5
1“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ። 2ዓመፀኛታት ሕሩድ ኣብዚሖም፤ ኣነ ግና ንዅላቶም ክቐፅዖም እየ። 3ኣታ ኤፍራታ ንስኻ ሕዚ መንዚርካ፤ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩሞ፥ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፤ እስራኤልውን ካባይ ኣይተሰወረን።”
ሆሴዕ ብዛዕባ ኣምልኾ ጣዖት ዝሃቦ ስምዕታ
4መንፈስ ኣመንዝራነት ኣብ ውሽጦም ኣሎሞ፥ ንእግዚኣብሄርውን ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፥ እቲ ስራሖም ናብ ኣምላኾም ንኽምለሱ ኣይፈቕደሎምን። 5ትዕቢት እስራኤል ኣብ ልዕሊኣቶም ይምስክር፤ እስራኤልን ኤፍሬምን ከዓ ብሓጢኣቶም ይሰናኸሉ፤ ይሁዳውን ምስኣቶም ክሰናኸል እዩ። 6ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ ይኸዱ፤ ግና ንሱ ካብኣቶም ርሒቑ እዩ እሞ፥ ኣይረኽብዎን። 7ድቓላታት ደቂ ወሊዶም እዮም እሞ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ፤ ሕዚ ድማ ሓደ ወርሒ ንኣኣቶምን ንርስቶምን ክበልዖም እዩ።
ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዝነበረ ውግእ
8ኣብ ጊብዓ ቀርኒ፥ ኣብ ራማ ኸዓ መለኸት ንፍሑሞ፤ ካብ ቤትኣዌን “ኣታ ብንያም፥ ብድሕሬኻ” ኢልኩም ኣእውዩ። 9ብመዓልቲ ቕፅዓት፥ ኤፍሬም ክባድም እዩ፤ ኣብ ማእኸል ነገድ እስራኤል፥ እቲ ብርግፅ ዝኸውን ነገር ኣፍለጥኩ።
10“ኣሕሉቕ ይሁዳ፥ ከምቶም ወሰን ዝደፍኡ ሰባት እዮም እሞ፥ ኣነውን ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ከም ማይ ከፍስስ እየ። 11ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ሰብ ምኻድ ስለዝፈተወ፥ ዝተገፍዐን ብፍርድውን ዝተጎድአን ኮነ። 12ስለዙይ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ቍንቁነ ኾይነ ኣለኹ።
13“ኤፍሬም ሕማሙ፥ ይሁዳውን ቍስሉ ምስ ረአየ፥ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፤ ናብ ንጉስ ኢያሪምውን ልኡኽ ለኣኸ፤ ግና ንሱ ኸድሕነኩም፥ ቍስልኹምውን ክፍውስ ኣይከኣለን። 14ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፥ ንቤት ይሁዳ ኸዓ ኸም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ ሰባቢረ ክኸይድ እየ፤ መንዚዐውን ክወስድ እየ፤ ዘድሕን ድማ የለን።
15“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”

Currently Selected:

ሆሴዕ 5: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in