YouVersion Logo
Search Icon

ሆሴዕ 4

4
እስራኤል ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕሰት
1ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። 2መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ። 3ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”
ካህናት ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕሱ
4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝብኻ ምስ ካህን ከም ዝከራኸር እዩሞ፥ ሓደኳ ኣይከራኸር፤ ሓደኳ ኣይግናሕ። 5ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ። 6ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።
7“ብዝበዝሑ መጠን ኣብ ልዕለይ ዝገብርዎ ሓጢኣት በዚሑ ኣሎ። ኣነ ድማ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ። 8ሓጢኣት ንህዝበይ ምግቢ ኾይንዎም ኣሎ፤ ልቦም ድማ ናብ በደል የድህብ ኣሎ። 9እቶም ካህናትውን ካብቶም ህዝቢ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን። ንዅሎምውን ከም መጠን ኣካይዳኦም ክቐፅዖም እየ። ከም ስራሓቶምውን ክኸፍሎም እየ። 10ንእግዚኣብሄር ምኽታል ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ግና ኣይፀግቡን፤ የመንዝሩ ግና ኣይበዝሑን እዮም።
11“ምንዝርናን ብወይኒ ምስካርን ኣእምሮ የጥፍእ እዩ። 12ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም። 13ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ። 14ኣወዳትኩምውን ምስተን ኣብ ቤተ ጣዖት ዘለዋ ኣመንዝራታት ይምንዝሩ፤ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲ ድማ ይስውኡ ኣለዉሞ፥ ኣዋልድኩም እንተመንዘራ፥ መራዑኹምውን እንተ ዘመዋ፥ ኣነ ኣይቀፅዐንን እየ። ዘየስተውዕል ህዝቢ ኽጠፍእ እዩ።
15“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ። 16እስራኤል ከም ሕንጊድ ዓርሒ ሓንጊዱ እዩ እሞ፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ኣብ ገፊሕ ቦታ ኸም ጡቦትዶ ኸዋፍሮ እዩ? 17ኤፍሬም ምስ ጣዖታት ሓቢሩ እዩ እሞ ሕደግዎ። 18ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፤ ምንዝርናውን የብዝሑ ኣለዉ፤ ኣሕሉቓ የመና ነውሪ ፈተዉ። 19ንፋስ ብኣኽናፋ ኣሲርዋ፤ ንሳቶምውን ካብ መስዋእቶም ዝተልዓለ ኽሓፍሩ እዮም።

Currently Selected:

ሆሴዕ 4: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in