ሆሴዕ 6
6
ሓቂ ዘይብሉ ንስሃ
1“ንዑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ፤ ንሱ ሰይሩና እዩ፤ ንሱውን ክፍውሰና እዩ። ንሱ ወቒዑና እዩ፤ ንሱውን ክፅግነና እዩ። 2ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ኸሕውየና፥ ብሳልሳይ መዓልቲ ድማ ኸተስአና እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና። 3ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ። ንሱ ብርግፅ ከም ወጋሕታ ተዳልዩ ኽንረኽቦ ኢና፤ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ፅብሓት፥ ከም ዝናም ክረምትውን ናባና ኽመፅእ እዩ።”
4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰናይኩም ከም ግመ ንግሆ፥ ከም ዝጠፍእ ኣውሊ እዩሞ፥ ኦ ኤፍሬም፥ እንታይ ክገብረካ? ኦ ይሁዳ፥ እንታይ ክገብረካ? 5ስለዙይ ብኢድ ነቢያተይ ቈራረፅኩዎም፤ ብቓል ኣፈይውን ቀተልኩዎም፤ ፍርደይ ከዓ ኸም ብርሃን ይወፅእ። 6#ማቴ. 9፡13፥ 12፡7። ካብ መስዋእቲ ምሕረት፥ ካብ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እፈቱ እየ።
7“ንሳቶም ግና ኸም ኣዳም ቃል ኪዳን ኣፍረሱ፤ ኣብ ልዕሊ እዙይውን ጠለሙኒ። 8ገለዓድ ብደም ዝጠልቀየት፥ ከተማ ኽፉኣት ሰባት እያ፤ ብደምውን ዝተቐብአት እያ። 9ከምቲ ንሰብ ከጥቅዑ ዘድብዩ ኸተርቲ፥ እቶም ካህናትውን ኣብ መንገዲ ሴኬም ይቐትሉ፤ ዘሕፍር ዓመፅውን ይፍፅሙ። 10ኣብ ቤት እስራኤል ዘስካሕክሕ ነገር ረአኹ፦ ኣብኡ ናይ ኤፍሬም ምንዝርና ኣሎ፤ እስራኤልውን ረኸሰ።” 11“ኦ ይሁዳ ናይ ህዝበይ ምርኮ ብዝምለሰሉ ጊዜ ንኣኻውን ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።”
Currently Selected:
ሆሴዕ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in