YouVersion Logo
Search Icon

ሆሴዕ 13

13
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል
1ኤፍሬም ክዛረብ እንተሎ ፍርሓት ይኸውን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ተዓበየ። ግና ንበዓል ስለ ዘምለኸ በደለ፤ ሞተውን። 2ሕዚ እውን ሓጢኣት ክሰርሑ ወሰኹ፤ ብብሩሮም መኺኹ ዝተሰርሐ ምስሊ ኸም ጥበቦም ጣዖታት ሰሪሖም እዮም፤ ኵሎም ከዓ ስራሕ ኢድ ሰብ እዮም። ብዛዕባኣቶም ድማ “እቶም ዝስውኡ ሰባት፥ ነቲ ጣዖት ብተይ ይሳለምዎ” ይብሉ። 3ስለዙይ ንሳቶም ከም ግመ ጊሓት፥ ከምቲ ቐልጢፉ ዝጠፍአ ኣውሊ፥ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፥ ብመስኮት ከም ዝወፅእ ትኪ ክኾኑ እዮም።
4ኣነ ግና ኻብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር እየ። ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ መድሓኒ የለን። 5ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፥ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ እንተለኻ እፈልጠካ ነይረ። 6#ዘዳ. 8፡11-17። ስለዙይ ምስተዋፈሩ ፀገቡ፤ ምስ ፀገቡውን ልቦም ተዓበየ፤ ስለዙይ ረስዑኒ። 7ስለዙይ ኣነ ድማ ኸም ኣንበሳ ኾንክዎም፤ ከም ነብሪ ኸዓ ኣብ መንገዲ ኣድበኹሎም። 8ኰራዅራ ኸም ዘሕደግዋ ድቢ ኾይነ ክገጥሞም እየ፤ ነቲ ስብሒ ልቦም ክቐዶ እየ፤ ከም ዋዕሮ ኽውሕጦም፥ ከም ኣራዊት በረኻውን ክሰላልዖም እየ።
9“ኦ እስራኤል፥ ኣብ ልዕለይ፥ ኣብ ልዕሊ ረዳኢኻ ስለ ዝተልዓልካ ኽትጠፍእ ኢኻ። 10#1 ሳሙ. 8፡5-6። ኣብ ዅሉ ኸተማታትካ ኸድሕነካስ፥ ንጉስካ ኣበይ ኣሎ? ንጉስን ኣሕሉቕን ሃበኒ ኢልካ ዝተናገርካዮ፥ መሳፍንትኻ ኣበይ ኣለዉ? 11#1 ሳሙ. 10፡17-24፥ 15፡26። ብቝጥዓይ ንጉስ ሃብኩኻ፤ ብመዓተይውን ሰዓርክዎ።
12“በደል ኤፍሬም ተኣሲሩ ኣሎ፤ ሓጢኣቱ ድማ ተኣኪቡ ኣሎ። 13ከም እትሓርስ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኽመፆ እዩ፤ ኣብዝውለደሉ ጊዜ፥ ብኣፍ ማህፀን ቀኒዑ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ኣእምሮ ዘይብሉ ወዲ እዩ። 14#1 ቆሮ. 15፡55። ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ። #13፡14 ወይ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ሲኦል ኮነ ኻብ ሓይሊ ሞት ከድሕኖም እየ። ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ንስኻኸ ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ነዝ ህዝቢ እዙይ ድሕሪ ደጊም ኣይርህርሀሉን እየ።” 15ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ፍርያም እንተ ኾነ እኳ፥ ንፋስ ምብራቕ ክመፅእ እዩ፤ ንፋስ እግዚኣብሄር ካብ ምድረ በዳ ኽመፅእ እዩ፤ ንዓይኒ ማይውን የድርቖ። ነቲ ወሓዚ ድማ የንፅፎ፤ ኵሎም ዝኸበሩ ኣቑሑ ዘለውዎ መዝገብ ይዘምት። 16ሰብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ ኣምላኾም ዓሚፆም እዮም እሞ፥ በደሎም ክስከሙ እዮም። ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ህፃናቶም ክጭፍለቑ፥ ጥኑሳት ኣንስቶም ድማ ኸብደን ክቕደዳ እየን።”

Currently Selected:

ሆሴዕ 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in