ሆሴዕ 12
12
ሓጢኣት እስራኤልን ይሁዳን
1ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፤ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ይስዕብ። ኵሉ መዓልቲ ሓሰትን ዓመፅን የብዝሕ። ምስ ኣሶር ቃል ኪዳን ይኣትዉ፤ ናብ ግብፂ ድማ ዘይቲ ይወስዱ።
2እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፤ ንያእቆብ ድማ ኸም መጠን መንገዱ ይቐፅዖ፤ ከም መጠን ስራሑውን ክምልሰሉ እዩ። #ዘፍ. 25፡26፥ 32፡24-29። 3ኣብ ከርሲ እኖኡ እንተሎ ዅርኵሮ ሓዉ ሓዘ፤ ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ። #ዘፍ. 28፡10-22። 4ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ። 5ንሱውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፤ ዝዝከረሉ ስም ከዓ እግዚኣብሄር እዩ። 6ስለዙይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ፤ ምሕረትን ፍትሕን ሓሉ፤ ኵልሻዕ ብኣምላኽካ ተኣመን።
7ካብ ወገን ከነዓን እዩ፤ ኣብ ኢዱ ድማ ሚዛን ሓሰት ኣለዎ፤ ጥበራውን ይፈቱ። 8“ኤፍሬም ኣነ ሃብታም ኮንኩ፤ ንብረትውን ኣጥሪየለኹ። ኣብ ኵሉ ፃዕረይ፥ ሓጢኣት ዝኸውን በደል ኣይርከበንን” በለ። #ዘሌ. 23፡42-43። 9ካብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣነ ኣምላኽኩም እየ፤ ከምቲ ብመዓልቲ በዓልኩም እትገብርዎ ዝነበረ፥ መሊሰ ኣብ ድንኳናት ከንብረኩም እየ።
10“ንነቢያት ተዛረብክዎም፤ ብዙሕ ራእያትውን ኣርአኽዎም፤ ብኢድ ነቢያት ገይረ ድማ ምስላታት ነገርኩ። 11ኣብ ገለዓድ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብርግፅውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ጌልገላ ዝራብዓት ይስውኡ፤ እቶም መሰውኢታቶም ድማ፥ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝተዀመረ ኣእማን ክኾኑ እዮም።”
12 #
ዘፍ. 29፡1-20። ያእቆብ ናብ ሶርያ ሃዲሙ ኸደ፤ እስራኤልውን ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝአ፤ ምእንቲ ሰበይቲ ኸዓ ጓሳ ኾነ። 13#ዘፀ. 12፡50-51። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብነቢይ ገይሩ ኻብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ብኢድ ነቢይ ድማ ሓለዎም። 14ኤፍሬም ግና ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፤ ስለዙይ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ፤ ጐይታኡ፥ ንፀርፉ ኣብ ልዕሊኡ ኽምልሰሉ እዩ።
Currently Selected:
ሆሴዕ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in