YouVersion Logo
Search Icon

ሆሴዕ 10

10
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጣዖት እስራኤል
1እስራኤል ብዙሕ ዝሰፍሐን ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ ወይንን እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍረኡ፥ ብዙሕ መሰውኢታት ኣብዝሐ፤ ከም መጠን ምፅባቕ ምድሩውን፥ እናመልክዑ ሓወልትታት ሰርሑ።
2ልባቶም ተመቐለ፤ ሕዚ እውን በደሎም ክስከሙ እዮም። ንሱ ንመሰውኢታቶም ከፈራርሶ ንሓወልትታቶምውን ክሰባብሮ እዩ። 3ሽዑ ንሳቶም “ንእግዚኣብሄር ኣይፈራሕናን እሞ፥ ንጉስ የብልናን። ንጉስ እንተ ነበረናኸ እንታይ ክገብረልና እዩ?” ይብሉ። 4ከንቱ ዘረባ ይዛረቡ፤ ዘይፍፀም ኪዳን ክኣትዉ ኸዓ፥ ብሓሰት ይምሕሉ። ስለዙይ መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝበቍል መቕሰፍቲ ኽበቝሎም እዩ።
5እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ሰባት፥ ስለ እቲ ኣብ ቤት ኣዌን ዘሎ ጣዖት ብተይ ክፈርሑ እዮም። ክብረቱ ኻብኡ ስለ ዝኸደ፥ እቶም ህዝቢ ኸልቅሱሉ፥ እቶም ንእኡ ዘገልግሉ ኻህናት ድማ፥ ምእንታኡ ኽበኽዩሉ እዮም። 6እቲ ጣዖት፥ ነቲ ዓብዪ ንጉስ ኢያሪም ውህብቶ ክወሃብ፥ ናብ ኣሶር ክውሰድ እዩ። ኤፍሬም ሕፍረት ክሕዞ እዩ፤ እስራኤልውን ብምኽሩ ክሓፍር እዩ። 7ሰማርያ ምስ ንጉሳ፥ ኣብ ልዕሊ ማይ ከም ዘሎ ዓፍራ ኽትጠፍእ እያ። 8#ሉቃ. 23፡30፥ ራእይ 6፡16። እቶም ናይ እስራኤላውያን ሓጢኣት ዝኾኑ በረኽቲ ኾረብታታት ቤት ኣዌን ክፈርሱ እዮም፤ ኣብ ልዕሊ መሰውኢታቶም እሾዅን ኣሜከላን ክበቍል እዩ። ንሳቶም ከዓ ንእምባታት “ክደኑና” ንዀረብታታት ከዓ “ውደቑና” ኽብልዎም እዮም።
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል
9 # መሳ. 19፡1-30። ኦ እስራኤል ካብ ዘመን ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ሰራሕኻ፤ ንሳቶም ኣብኡ ፀንዑ፤ ስለዙይ እቲ ኣብ ደቂ ገበርቲ ኽፉእ ዝኾነ ውግእ፥ ኣብ ጊብዓ ኣየርክቦምን ድዩ? 10ብዝደለኽዎ ጊዜ ኽቐፅዖም እየ፤ ስለ ኽልቲኣቶም ሓጢኣታ ምስ ተኣሰሩ፥ ኣህዛብ ክኸብዎም እዮም።
11ኤፍሬም መኼዳ ኸም ዝለመደት ዓርሒ እዩ፤ ኣነ ግና በቲ ፅቡቕ ክሳዱ ሓለፍኩ። ንኤፍሬም ክፀምዶ እየ፤ ይሁዳ ኽሓርስ፥ ያእቆብውን ነቲ መሬት ከለሳልስ እዩ። 12#ኤር. 4፡3። እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ። 13ክፍኣት ሓረስኩም፤ ሓጢኣትውን ዓፀድኩም፤ ፍረ ሓሶት ድማ በላዕኹም፤ ብብዝሒ ሰራዊትካ ብመንገድኻውን ተኣማሚንካ ኢኻሞ። 14ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሽብር ክለዓል እዩ፤ እኖ ምስ ደቃ ምስ ተጨፍለቐት ሰልማን ንቤት ኣርብኤል ብመዓልቲ ውግእ ዘፍረሰ፥ ኵሎም እምባታትካ ክፈርሱ እዮም። 15ካብ ብዝሒ ሓጢኣትኩም ዝተልዓለ ቤቴል ከምኡ ኽገብረኩም እዩ፤ ምስ ወግሐ፥ ንጉስ እስራኤል ፈፂሙ ኽጠፍእ እዩ።

Currently Selected:

ሆሴዕ 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in