ዘፍጥረት 41
41
ዮሴፍ ሕልሚ ፈርዖን ከም ዝፈትሐ
1ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ፈርዖን ሕልሚ ሓለመ፤ ብሕልሙ ኸዓ ኣብ ወሰን ሩባ ደው ኢሉ ነበረ። 2እንሆ ድማ፥ ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብቲ ሰውሒ ሳዕሪ ኽበልዓ ረአየ። 3ደድሕሪአን ድማ፥ ካልኦት ሸውዓተ ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም ካብቲ ፈለግ ወፂአን፥ ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት፥ ኣብ ወሰን ሩባ ደው በላ። 4እተን ትርኢተን ዝሓመቐ፥ ስጋአን ዝዓበረ ኣላሕም፥ ነተን ሸውዓተ ንምርኣየን ፅቡቓትን ስጋአን ከዓ ስቡሓትን ኣላሕም ወሓጣአን፤ ፈርዖን ድማ ተበራበረ። 5ተመሊሱ ኸዓ ደቀሰ፤ ንኻልኣይ ጊዜውን ሕልሚ ሓለመ፤ እንሆ ኸዓ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሸውዓተ ፍሩያትን ብፁሓትን ጉምቦታት ሸዊት ወፃ። 6ድሕሪአን ድማ፥ እንሆ ሸውዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ። 7እተን ቀጠንቲ ጉምቦ ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ጉምቦ ሸዊት ወሓጣአን። ፈርዖን ከዓ ተበራበረ እሞ፥ ሕልሚ ኸም ዝኾነ ፈለጠ። 8#ዳን. 2፡2። ምስ ወግሐ፥ መንፈሱ ተጨነቐ፤ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባንን ፈላጣት ግብፂን ፀውዖም። ሕልሙ ኸዓ ነገሮም፤ ክፈትሐሉ ዝኸኣለ ግና ኣይነበረን።
9ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ንፈርዖን፦ “ኣነ ሎሚ በደለይ ዘከርኩ። 10ኦ ፈርዖን! ብሓሻኽርካ ብኣይን ብሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ተቘጢዕኻ ኣብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣእሰርካና። 11ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ፥ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለምና። 12ኣብኡ ድማ ኣገልጋሊ ናይቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝኾነ ዕብራዊ መንእሰይ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፤ ንሱ ኸዓ ሕልምታትና ፈትሐልና፤ ንነፍሲ ወከፍና ድማ ኸከም ሕልምና ነገረና። 13ከምቲ ዝፈትሐልና ድማ ኾነ፤ ንኣይ ናብ ናይ ቀደም ሽመተይ መለስካኒ፤ ነቱይ ከዓ ሰቐልካዮ” በሎ።
14ሽዑ ፈርዖን ልኢኹ ንዮሴፍ ፀውዖ፤ ቀልጢፎም ድማ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎ። ርእሱ ላፅዮም ክዳኑ ለዊጦም ድማ፥ ናብ ቅድሚ ፈርዖን ኣቕረብዎ። 15ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ሕልሚ ሓሊመ፥ ዝፈትሐለይ ስኢነ፤ ንስኻ ግና ሕልሚ ኸም እትፈትሕ ሰሚዐ ኣለኹ” በሎ።
16ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን “እዙይ ካባይ ኣይኮነን፤ እግዚኣብሄር ንፈርዖን ብሰናይ ክምልሰሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
17ፈርዖን ድማ፦ “እንሆ፥ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ወሰን ሩባ፥ ደው ኢለ ነበርኩ። 18ሸውዓተ ስቡሓትን ፅቡቓትን ኣላሕም፥ ካብቲ ሩባ ወፂአን፥ ሳዕሪ ይበልዓ ነበራ። 19ደድሕሪአን ካልኦት ሸውዓተ፥ ዝዓበራን ትርኢተንውን የመና ዝሓመቓን ኣላሕም ወፃ። ከምኣተን ዝኸፍአን ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ እኳ ኣይረአኹን። 20እተን ዝዓበራን ዝሓመቓን ኣላሕም ድማ ነተን ሸውዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ከፍቲ ወሓጣአን፤ 21ምስ ወሓጣአን ከዓ፥ ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኣይተፈልጠን፤ ትርኢተን ከም ቀደመን ዕባሩ ነበራ። ድሕሪዙይ ተበራበርኩ። 22ከምኡውን ብሕልመይ ሸውዓተ ፍሩያትን ፅቡቓትን ጉምቦታት ሸዊት፥ ካብ ሓንቲ ብርዒ እንትወፃ ረአኹ። 23ደድሕሪአን ድማ እንሆ፥ ዝመንመናን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓን፥ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ወፃ። 24እተን ቀጠንቲ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ነተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊት ወሓጣአን። እዙይ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፥ ዝፈትሐለይ ግና ኣይረኸብኩን” በሎ።
25ዮሴፍ ድማ ንፈርዖን ከምዙይ በሎ፦ “ሕልሚ ፈርዖን ሓደ እዩ። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ ንፈርዖን ነጊርዎ ኣሎ። 26እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ከፍቲ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ እተን ሸውዓተ ፅቡቓት ጉምቦታት ሸዊትውን፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን፤ ሕልሙ ሓደ እዩ። 27እተን ደድሕሪአን ዝወፃ ሸውዓተ ዕባሩን ሕማቓት ከፍትን ከዓ፥ ሸውዓተ ዓመታት እየን። እተን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ሸውዓተ ጉምቦታት ሸዊት ድማ፥ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት እየን። 28እቲ ንፈርዖን ዝነገርኩዎ እዙይ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ኽገብሮ ዘለዎ እዩ ንፈርዖን ዘርአዮ። 29እንሆ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዙሕ ፅጋብ ዝኾነለን ሸውዓተ ዓመታት ክመፃ እየን። 30ብድሕሪአን ከዓ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ክመፃ እየን። ብኣኣተን እቲ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ክትጕዳእ እያ። 31ካብቲ ደሓር ዝኸውን ጥሜት ዝተልዓለ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ ፅጋብ ክርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከዓ የመና ኽብርትዕ እዩ። 32እቲ ንኻልኣይ ጊዜ ደጊምካ ምሕላምካ፥ እቲ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘርፀ እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ ቐልጢፉ ኽገብሮ እዩ።
33“ሕዚ ድማ፥ ኦ ፈርዖን፥ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ድለ፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ሹሞ። 34ከምኡ ኸዓ በዘን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብፂ ሓምሻይ ኣፍ ዝእክቡ ሹመኛታት በብምድሩ ሹም። 35ናይዘን ዝመፃ ዘለዋ ዓመታት ፅጋብ፥ ዝብላዕ ዝኾነ ዅሉ ይኣክቡ። ነቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ክኸውን፥ ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርዖን ኣብተን ከተማታት ይኣክብዎን ይሓልውዎን። 36እቲ እኽሊ ድማ፥ በተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝመፃ ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት፥ ነታ ሃገር ምእንቲ ክኸውን ይተዓቘር። እታ ምድሪ ኸዓ ብጥሜት ኣይትጥቃዕን እያ” በሎ።
ዮሴፍ ኣብ ግብፂ ኸም ዝተሸመ
37ፈርዖንን ሹመኛታቱን እዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ፅቡቕ ኮይኑ ረኸብዎ። 38ፈርዖን ከዓ ንሹመኛታቱ፦ “ከምዙይ ዝበለ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብዶ ኽንረክብ ኢና?” በሎም። 39ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “እግዚኣብሄር እዝ ዅሉ ገሊፁልካ እዩሞ፥ ከማኻ ዝበለ መስተውዓልን ፈላጥን ሰብ የለን። 40#ግ.ሓ. 7፡10። ስለዙይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስተይ ሸይመካ ኣለኹ። ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፤ ኣነ ብዙፋነይ ጥራሕ እየ ኻባኻ ዝዓቢ” በሎ። 41መሊሱ ፈርዖን ንዮሴፍ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብፂ ሸይመካ ኣለኹ” በሎ። 42#ዳን. 5፡29። ቀለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ድማ፥ ንዮሴፍ ኣብ ኢዱ ገበረሉ፤ ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽ ከደኖ፤ ኣብ ክሳዱ ኸዓ ወርቂ ድሪ ገበረሉ። 43ኣብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣቐመጦ፤ እቶም ኣዋጅ ነጋሮውን ዓው ኢሎም “ንዮሴፍ ስገዱ” እናበሉ ቐቅድሚኡ ይኸዱ ነበሩ። 44ፈርዖን ድማ ንዮሴፍ፥ “ኣነ ፈርዖን እየ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይ እግሩ ዘንቀሳቕስ ኣይሃሉ” በሎ። 45ፈርዖን ከዓ ንዮሴፍ “ፀፍናት ፐዕናሕ” ዝብል ስም ኣውፅአሉ። ንኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት ድማ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ወፀ።
46ዮሴፍ ንፈርዖን ንጉስ ግብፂ ምግልጋል ክጅምር እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ካብ ቤተ መንግስቲ ፈርዖን ወፂኡ፥ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብፂ ዞረ። 47እታ ምድሪ ድማ በተን ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ፥ ብዙሕ ፍርያት ሃበት። 48ዮሴፍ ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሸውዓተ ዓመታት እኽሊ፥ ኣብ ከተማታት ኣከቦ፤ ናይቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ገራሁ እኽሊውን ነናብ ከተማኡ ኣከቦ። 49ዮሴፍ፥ ምፅብፃቡ ኽሳዕ ዝስእን ብዙሕ እኽሊ፥ ኣከበ። እቲ ዝኣከቦ እኽሊ ኸም ሑፃ ባሕሪ የመና ብዙሕ ነበረ።
50ዓመት ጥሜት ገና ኸይበፅሐ እንተሎ፥ ኣስናት፥ ጓል ጶጥፌራ ኻህን ሄልዮት፥ ንዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ወለደትሉ። 51ዮሴፍ ድማ፥ “ኣምላኽ፥ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ከም ዝርስዕ ገይሩኒ እዩ” እንትብል፥ ንበዅሪ ወዱ “ምናሴ” #41፡51 ምናሴ፦ “መረስዒ” ማለት እዩ። ኢሉ ሰመዮ። 52ነቲ ኻልኣይ ድማ፥ “እግዚኣብሄር መከራ ኣብ ዝተቐበልኩላ ምድሪ ኣፍረየኒ ኢሉ ኤፍሬም” #41፡52 ኤፍሬም፦ “ፈራዪ” ማለት እዩ። በሎ።
53እተን ኣብ ምድሪ ግብፂ ዝነበራ ሸውዓተ ዓመታት ፅጋብ ከዓ ሓለፋ። 54#ግ.ሓ. 7፡11። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፥ እተን ሸውዓተ ዓመታት ጥሜት ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከዓ ጥሜት ኮነ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ ግና እኽሊ ነበረ። 55#ዮሓ. 2፡5። ኵላ ምድሪ ግብፂ ምስ ጠመየት ድማ፥ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እኽሊ ናብ ፈርዖን ጠርዐ። ንሱ ኸዓ ንዅሎም ግብፃውያን “ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በሎም። 56ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኮነ። እቲ ጥሜት ኣብ ምድሪ ግብፂ እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ዮሴፍ ኵሉ ማዕኸን ከፊቱ፥ ንግብፃውያን እኽሊ ሸጠሎም። 57እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ዓለም እናበርትዐ ስለ ዝኸደ፥ ካብ ዮሴፍ እኽሊ ኽሽምቱ ኻብ ኵለን ሃገራት፥ ናብ ግብፂ ይመፁ ነበሩ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 41: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: