ዘፍጥረት 42
42
ኣሕዋት ዮሴፍ እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ኸም ዝወረዱ
1ያእቆብ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰምዐ፤ ንደቁ ድማ “ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትጠማመቱ? 2#ግ.ሓ. 7፡12። እንሆ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዘሎ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስለዙይ ብጥሜት ከይንመውት ናብ ግብፂ ወሪድኩም እኽሊ ሸምቱልና” በሎም። 3እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ ከዓ፥ እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ወረዱ። 4ያእቆብ ግና ንብንያም ሓው ዮሴፍ፥ ጕድኣት ከይበፅሖ ኢሉ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን።
5ኣብ ምድሪ ከነዓን ጥሜት ስለ ዝነበረ፥ ደቂ ያእቆብ ምስ ካልኦት ኮይኖም እኽሊ ኽሽምቱ ናብ ግብፂ ኸዱ። 6ነታ ምድሪ ዝእዝዛ ዮሴፍ ነበረ፤ ንዅሉ ህዝቢ እታ ምድሪ እኽሊ ዝሸይጥ ድማ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መፂኦም፥ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ምድሪ ብገፆም ተደፊኦም ሰገዱሉ። 7ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንኣኣቶም ግና ጓና መሲሉ ቐረቦም፤ ኣትሪሩውን ተዛረቦም። “ካበይ ዝመፃእኹም ኢኹም?” ኢሉ ኸዓ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ካብ ምድሪ ከነዓን እኽሊ ኽንሽምት ዝመፃእና ኢና” ኢሎም መለሱ።
8ዮሴፍ ነሕዋቱ ኣለለዮም፤ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን። 9#ዘፍ. 37፡5-10። ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕባኣቶም ሓሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ። ንሱ ድማ “ንስኻትኩም ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም።
10ንሳቶም ድማ “ኣታ ጐይታና፥ ንሕና ሓሻኽርካ ስርናይ ክንሽምት ዝመፃእና ኢና፤ 11ኵላትና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና፤ ሓቀኛታት ኢና፤ ንሕና ሓሻኽርካስ ሰለልቲ ኣይኮንናን” ኢሎም መለሱሉ።
12ንሱ ኸዓ “ኣይፋልኩምን፤ ኵነታት እዛ ምድሪ ኽትስልሉ ዝመፃእኹም ኢኹም” በሎም።
13ንሳቶም ድማ “ንሕና ሓሻኽርካ ኣብ ምድሪ ከነዓን እንነብር ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት፥ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እቲ ሓደ እኳ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣሎ” በልዎ።
14ዮሴፍ ድማ “ከምቲ ቕድም ዝበልኩኹም፥ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም። 15ሕዚ ኸዓ ኽፍትነኩም እየ፤ እቲ ንእሽተይ ሓውኩም ናብዙይ እንተይመፀ ኻብዙይ ከም ዘይትወፁ፥ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ። 16ንሓውኩም ዘምፅእ ካባኻትኩም ሓደ ስደዱ፤ እቲ ዝበልኩምዎ ሓቂ እንተልይዎ ኽሳዕ ዝፃረ ግና፥ ንስኻትኩም ክትእሰሩ ኢኹም። እንተ ዘይኮነ ብህይወት ፈርዖን እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ሰለልቲ ኢኹም” በሎም። 17ብሓደ ገይሩ ንሰለስተ መዓልቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።
18ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ ከምዙይ በሎም፦ “እዝ ዝብለኩም ዘለኹ እንተ ጌርኩም ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፤ ኣነ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ እየ እሞ። 19ቅኑዓት እንተ ዄንኩምስ፥ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ማእሰርቲ ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኼድኩም፥ ነቶም ጠምዮም ዘለዉ ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ኣብፅሑሎም። 20ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምፅእዎ፤ እቲ ቓልኩም ሓቂ እንተ ደኣ ኾይኑ ኣይትሞቱን ኢኹም” በሎም። ከምኡውን ገበሩ።
21ንስንሳቶም ከዓ “ንሓውና ብሓቂ በዲልና ኢና፤ እቲ ኣይትጨክኑለይ እናበለ ኽልምነና እንተሎ፥ ነፍሱ ኽትጭነቕ እናረአና ኣይሰማዕናዮን። ብናቱ ግፍዒ እዩ እዝ መከራ እዙይ ዝበፅሐና” ተበሃሃሉ።
22 #
ዘፍ. 37፡21-22። ሮቤል ከዓ “ኣብዝ ቘልዓዙይ፥ በደል ኣይተብፅሑ እንዶ ኣይበልኩኹምን? ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን። ስለዙይ ድማ እንሆ ደሙ ይደልየና ኣሎ” ኢሉ መለሰሎም። 23ዮሴፍ ብኣስተርጓሚ ገይሩ ይዛረቦም ስለ ዝነበረ፥ ከም ዝሰምዖም ኣይፈልጡን ነበሩ። 24ዮሴፍ ከዓ ኻብኣቶም ግልስ ኢሉ በኸየ፤ ናብኣቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም፤ ንስምኦንውን ካብኣቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣሰሮ።
ደቂ ያእቆብ ናብ ከነዓን ከም ዝተመለሱ
25ዮሴፍ ድማ ኣብ ለለቘታኦም እኽሊ ኽመልኡሎም፥ ገንዘቦምውን ኣብ ለለቘታኦም ክመልሱሎም፥ ንመንገዲውን ስንቂ ኽህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸዓ ገበሩሎም። 26እኽሎም ኣብ ኣእዱጎም ፅዒኖም ከዓ ኻብኡ ተልዒሎም ከዱ። 27ኣብቲ ዝሓደሩሉ ቦታ ድማ ሓደ ኻብኣቶም ንኣድጉ እኽሊ ኽህብ፥ ለቘታኡ ፈትሐ፥ ነቲ ገንዘቡ ኸዓ ኣብ ኣፍ ለቘታኡ ረኸቦ። 28ነሕዋቱ ኸዓ “ገንዘበይ ተመሊሱ፤ እንሆ ኣብ ለቘታይ ረኺበዮ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ልቦም ደንገፀ፤ ቀጥቀጥ እናበሉ ድማ ንስንሳቶም “እዝ እግዚኣብሄር ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።
29ናብ ኣቦኣቶም ያእቆብ ናብ ምድሪ ከነዓን ምስ ተመለሱ ኸዓ፥ እቲ ዅሉ ዝበፅሖም ከምዙይ ኢሎም ነገርዎ፦ 30“እቲ፥ ጐይታ እታ ሃገር፥ ኣትሪሩ ተዛረበና፤ ነታ ምድሪ ኽንስልል ከም ዝመፃእናውን ቈፀረና። 31ንሕና ድማ ‘ሰለልቲ ኣይኮንናን፤ ቅኑዓት ሰባት ኢና። 32ንሕና ዓሰርተ ኽልተ ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣቦ ኢና፤ እቲ ሓደ ጠፊኡ እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ግና ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ከነዓን ኣሎ’ በልናዮ። 33እቲ ጐይታ እታ ሃገር ከዓ፥ ‘ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ዄንኩም በዙይ ክፈልጥ እየ፦ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፤ ነቶም ጥሙያት ስድራኹም ዝኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኺዱ። 34ነቲ ንእሽተይ ሓውኩም ከዓ ናባይ ኣምፅእዎ። ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር፥ ሰለልቲ ኸም ዘይኮንኩም ሽዑ ኽፈልጥ እየ። ሓውኩም ድማ ኽህበኩም እየ፤ ኣብዛ ምድሪ እውን ከም ድልየትኩም ክትነግዱ #42፡34 ክትነግዱ፦ ወይ “ክትመላለሱ” ትኽእሉ ኢኹም’ በለና።”
35ለቛታኦም ፈቲሖም ነቲ እኽሊ ኽግልብጡ እንተለዉ፥ እንሆ ነናይ ነፍሲ ወከፍ ቍፃር ገንዘቡ ኣብ ለለቘታኡ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኣቶምን ነቲ ቝፃር ገንዘብ ምስ ረአዩ ደንገፁ። 36ኣቦኣቶም ያእቆብ ድማ “ደቀይ ውሉድ እኮ ኣስኣንኩምኒ። ዮሴፍ የለን፤ ስምኦንውን የለን፤ ሐዚ ድማ ንብንያም ክትወስድዎ ትደልዩ ኣለኹም፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ኣባይ በፅሐ” በሎም።
37ሮቤል ከዓ ነቦኡ፥ “ንኣይ ሕድሪ ሃበኒ፥ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ ናባኻ እንተ ዘየምፃእኽዎ፥ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተሎም” በሎ።
38ንሱ ኸዓ “ሓዉ ሞይቱ፥ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፥ ወደይስ ምሳኻትኩም ኣይወርድን እዩ። ኣብቲ እትኸድዎ መንገዲ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፥ ሽዑ ኣብ እርጋነይ ብመሪር ሓዘን ናብ መቓብር ከም ዝወርድ ክትገብሩኒ ኢኹም!” በሎም።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 42: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: