YouVersion Logo
Search Icon

ዘፍጥረት 40

40
ዮሴፍ ሕልሚ እሱራት ከም ዝፈትሐ
1ድሕሪዙይ ናይ ግብፂ ንጉስ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን፥ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን ንጐይታኦም ንጉስ ግብፂ በደሉ። 2ፈርዖን ድማ ብኽልቲኦም ሹመኛታቱ ተቘጥዐ። 3ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ፥ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት፥ ክእሰሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም። 4እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ንዮሴፍ ኣረከቦም፥ ንሱውን የገልግሎም ነበረ። ኣብኡ ኸዓ ንብዙሕ መዓልቲ ፀንሑ።
5እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ፥ ናይ ንጉስ ግብፂ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ክልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝትርጕሙ ሕልሚ ሓለሙ። 6ዮሴፍ ንግሆ ናብኣቶም ምስ ኣተወ፥ እንሆ ተኪዞም ረአዮም። 7ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሹመኛታት ፈርዖን፥ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ኣብ ገፅኩም ሓዘን ዝረአ ዘሎ?” ኢሉ ጠየቖም።
8ንሳቶም ከዓ “ሕልሚ ሓሊምናስ ዝፈትሐልና ስኢንና” በልዎ። ዮሴፍ ድማ “ምፍታሕ ሕልሚ እግዚኣብሄር ንዝሃቦዶ ኣይኮነን? እስኪ ሕልምኹም ንገሩኒ?” በሎም።
9እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ኸዓ ንዮሴፍ፦ “እንሆ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኒ ረአኹ። 10ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨናፍር ነበረ፤ ምስ ጠጥዐ ኸዓ ዓምበበ፤ እቲ ዘለላውን ኣንጠልጠለ፤ ፍረ እቲ ዘለላ ድማ በሰለ። 11ፅዋዕ ፈርዖን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፤ ነቲ ዘቢብ ወሲደ ናብ ፅዋዕ ፈርዖን ፀመቝክዎ፤ ነታ ፅዋዕውን ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ” ኢሉ ሕልሙ ነገሮ።
12ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ። 13ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ክፈትሐካ እዩ፤ ናብ ናይ ቀደም ሽመትካውን ክመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ እንተለኻ ትገብሮ ዝነበርካ ኸዓ፥ ንፈርዖን እታ ፅዋዑ ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ። 14ምስ ቀንዐካ ድማ ነኣይ ዘክረኒ፤ በይዛኻ ምሕረት ግበረለይ፤ ንፈርዖን ከዓ ንገረለይ እሞ፥ ካብዛ ቤት ማእሰርቲ እዚኣ ኣውፅአኒ። 15ኣነ ኻብ ምድሪ ዕብራውያን ሰሪቖም ዘምፅኡኒ እየ፤ ኣብዝ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ በደል ድማ ኣይገበርኩን” በሎ።
16እቲ ሓለቓ ኣሰናዳእቲ ምግቢ ኸዓ ፅቡቕ ከም ዝፈትሐሉ ምስ ረአየ፥ ንዮሴፍ ኣነ ድማ ብሕልመይ “እንሆ ፃዕዳ እንጀራ ዝሓዘ ሰለስተ መሶብ ኣብ ርእሰይ ነበረ። 17ኣብቲ ላዕለዋይ መሶብ ከዓ ኻብቲ ፈርዖን ዝበልዖ ዅሉ ዓይነት ምግቢ ዝተዳለወ እንጀራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ይበልዓ ነበራ” በሎ።
18ዮሴፍ ከዓ “ትርጕሙ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ። 19ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ፈርዖን ካብ ማእሰርቲ ኸውፅአካ፥ ርእስኻ ኽቘርፀካ፥ ንስጋኻ ድማ ኣብ ዕንፀይቲ ኸንጠልጥሎ እዩ፤ ስጋኻውን ኣዕዋፍ ክበልዓኦ እየን” ኢሉ ፈትሐሉ።
20ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፥ ንፈርዖን መዓልቲ ልደቱ ነበረ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ኸዓ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይንን ንሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግብን፥ ፈቲሑ ናብ ማእኸል መኳንንቱ ኣምፅኦም። 21ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ፥ ናብ ናይ ቀደም ሽመቱ መለሶ። ንሱ ድማ ንፈርዖን ኣብ ኢዱ ፅዋዕ ሃቦ። 22ነቲ ሓለቓ ኣሰናደውቲ ምግቢ ግና ሰቐሎ፤ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሐሎምውን ኮነ። 23እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ወይኒ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር ኣይዘከሮን።

Currently Selected:

ዘፍጥረት 40: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in