ዘፍጥረት 39
39
ዮሴፍን ሰበይቲ ጲጥፋራን
1እቶም እስማኤላውያን ንዮሴፍ ናብ ግብፂ ኣውረድዎ። ኣዛዚ ቤት ፈርዖን፥ ጲጥፋራ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ግብፃዊ ሰብኣይ ድማ፥ ካብ ኢድ እቶም ናብ ግብፂ ዘውረድዎ እስማኤላውያን ዓደጎ። 2#ግ.ሓ. 7፡9። እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ስራሑ ዝቐንዐሉ ሰብ ኮነ። ኣብ ቤት እቲ ግብፃዊ ጐይታኡ ድማ ይነብር ነበረ። 3ጐይታኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገብሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዘቕንዐሉን ረአየ። 4ዮሴፍ ከዓ ኣብ ቅድሚ ጲጥፋራ ሞገስ ረኸበ፤ ኣገልጋሊኡውን ኮነ። ስለዙይ ኣዛዚ ገዛኡ ገበሮ፤ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ኣረከቦ። 5ኣብ ገዛኡን ኣብ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ዝሸሞ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንገዛ እቲ ግብፃዊ ባረኾ። ኣብ ገዛን ኣብ በረኻን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ። 6ኵሉ ሃብቱ ኸዓ ናብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጀራ ብኻልእ ኣይግደስን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ቑመናኡን መልክዑን ፅቡቕ ነበረ። 7ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ሰበይቲ ጐይታኡ ንዮሴፍ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፥ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። 8ንሱ ድማ፥ ንሰበይቲ ጐይታኡ “እንሆ፥ ጐይታይ ኣብ ገዛኡ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፥ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ። 9ኣብዛ ገዛ እዚኣ ኻባይ ዝስልጥን የለን፤ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፥ ብዘይ ንኣኺ ኻልእ ዝኸልከለኒ ነገር የለን። ከመይ ኢለ ድኣ እዝ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር? ከመይ ኢለኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክገብር?” ኢሉ ኣበያ። 10ኵልሻዕ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ እናበለት ተትክሮ ነበረት። ዮሴፍ ግና ምስኣ ኽድቅስ ኮነ ኣብ ጥቓኣ ኽቐርብ ኣይደልን ነበረ።
11ኮነ ድማ፥ ሓደ መዓልቲ ስራሑ ኽሰርሕ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ሽዑ ኣብታ ገዛ ካብ ቤተ ሰብ ሓደ እኳ ኣይነበረን። 12ሽዑ ብኽዳኑ ኣጥቢቓ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግና ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉላ፥ ሃዲሙ ናብ ደገ ወፀ። 13ንሳ ድማ ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ፥ ንደገ ከም ዝሃደመ ምስ ረአየት፥ 14ነገልገልታ ናብኣ ፀዊዓ “ረአዩ፥ እቲ ዘምፅኦ ዕብራዊ ሰብኣይ ኣዋሪዱና፤ ንሱ ምሳይ ክድቅስ ናባይ ኣተወ፤ ኣነ ግና ዓው ኢለ ኣእዌኹ። 15ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእወኹ ምስ ሰምዐ ድማ፥ ክዳኑ ሓዲጉ ሃዲሙ ንደገ ወፀ” ኢላ ነገረቶም።
16ነቲ ኽዳኑ ድማ ጐይታኡ ናብ ገዛኡ ኽሳዕ ዝመፅእ ምስኣ ሒዛቶ ፀንሐት። 17ንሳ ድማ፦ “እቲ ዘምፃእኻልና ዕብራዊ ባርያ፥ ከዋርደኒ ኢሉ ናብቲ ዘለኽዎ ኣተወ። 18ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ ግና፥ ክዳኑ ኣብ ኢደይ ሓዲጉለይ ንደገ ሃደመ” በለቶ።
19ጐይታ ዮሴፍ ከዓ፥ ሰበይቱ “ባርያኻ ኸምዙይ ገይሩኒ” ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ፥ ብቝጥዓ ነደደ። 20ጐይታ ዮሴፍ ድማ ናብታ እሱራት ንጉስ ዝእሰሩላ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።
ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ ግና፥ 21#ግ.ሓ. 7፡9። እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ። 22እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ኵሎም ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣብኡ ዝግበርውን ስልጣን ሃቦ። 23እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዮሴፍ ዝነበረ ሓደ ነገር እኳ ኣይሓልን ነበረ፤ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር የቃንዐሉ ነበረ።
Currently Selected:
ዘፍጥረት 39: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in